Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት &#4757
أخبار

ዕዊቲ ዓመት 2011 ብውዕውዕ በዓል ተዛዚማ

By EYC 2012 C.jpg

By EYC 2012 A.jpg

By EYC 2012 B.jpg

By EYC 2012 D.jpg

By EYC Bay Area

            ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ዘዳለዎ ዕውት በዓል ሓድሽ ዓመት ብውዕውዕ ፍናንን ተሳትፎ ህዝብን ብዓወት ተዛዚሙ። አብዚ ቀዳም ምሸት ጀሚሩ ስጋብ ወጋሕታ ሰንበት ዝቐጸለ ባህላዊ ምሸት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ተሳቲፉ። ነዚ ብዓይነቱን አወዳድብኡን ፉሉይ ዝኾነ በዓል ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ህዝቢ ተሳቲፍዎ። አዚ መደብ አካል ናይቲ አብ መላእ ዓለም ዘለው ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብስመርርርርር ዝብል ተበግሶ ዝገብርዎ ዘለው ኩሉመዳያዊ መኸተ አንጻር ስርዓት ህግደፍ እዩ።

            ኣብዚ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ዝተገብረ በዓል ልክዕ ሰዓት 08፡00 ኣጋ ምሸት ብድራር እዩ ተጀሚሩ። ነዚ ዓዳምን ዕዱምን ዘይነበሮ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝተሳተፎ በዓል እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኢሉ አወሃሃዲ መደብ ኮይኑ ዘምሰየ ካብ ከተማ ሎስ አንጀለስ ዝመጸ ሓው ዳኒኤል ገብረሚካኤል እዩ ከፊትዎ። አባል ቦርድ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዝኾነ ሓው ዳኒኤል ቀጺሉ ነቶም ህቡባት ድምጻውያን ካብ ጀርመን ዝመጸ ዮናታን ሃብተ፡ አዜብ ተስፋሚካኤል፡ አሮን ነጋሲ፡ አማኑኤል ዘሚካኤልን ሙሴ ንጉሰን ከምኡውን ንሙዚቀኛታት ዳዊት አዛን፡ ረዘነ ሃብተ፡ ከበደ ደሞዝን ጳውሎስን ንህዝቢ ተራ ብተራ አላልይዎም። መድረኽ ድማ ንባህልን ንምዝንጋዕን ዕዱማት ኩፉት ኮነ።

           እቶም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ አጋይሽ ድማ ክልሃዩን ክስዕስዑን ጀመሩ። አቶም ገሊኦም ክስዕስዑ እቶም ዝተረፉ ድማ ምስ ናይ ፈይስ ቡክን ናይ ፓልቶክ ብጾቶምን እንዳደለዩ ይራኸቡን ይላለዩን ኔሮም። እዚ በዓል እዚ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፉሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ ስጋብ እዚ ቀረባ እዋን እንዳ ተቓወምቲ ተባሂሉ ክፍራሕ ዝጸነሔ ኣዳራሽና ኩሉ ሰብ እንኾላይ ተደናገጽቲ ዝተሳተፍዋ በዓል ስለዝነበረ እዩ፡  ካብዚ እንርድኦ እንተሃልዩ ኣብ ከባቢና ዝነብር ሕዝብና ካብ ምፍርራሕ ህግደፍ ናጻ ብሙኾን ወናኒ ነብሱን ዊንቱኡን እንዳኾነ ይመጽእ ምህላው እዩ፡ 

           እዚ በዓል ሓድሽ ዓመት ዋላ’ኳ ብመንእሰያት ዝተዓብለለ እንተነበረ ህጻውንቲ ደቆም ዝሓዙ አቦታት አዴታትን እውን ተሳቲፎሞ እዮም። ስሙር ተሳታፍነት አባላት ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ቤይ ኤርያ ብኩልና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዝኾንና ኤርትራውያን ከም አብነት ክውሰድ ድማ ይግባእ። ብዘይ ምግናን አዛ በዓል ንኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ህዝብና ፍናን ቃልሲ ዘበራበረት አንጻር ህግደፍ ሓድነቶም ዘትረረትን መዓልቲ ኔራ ክትበሃል ትከኣል። ነዚ ባህላዊ ምሸት እቲ ካብ አይዳሆ ስቴት (Idaho state) ንአስታት ዓሰርተ ክልተ ሰዓት መኪና ዘዊሩ ዝመጸ ዶ/ር ጽጋብ አስመላሽ ብቐጥታ ኣብ ስመር ሩም ብፓልቶክ ንኽምሓላለፍ ምግባሩ ክምስገን ይግባእ።

           ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ነቶም ካብ ርሑቕን ቀረባን ነዚ በዓል ከማዕርጉ ዝመጹ ስነ ጥበበኛታት ዘዳለዎሎም ሽልማትን ናይ ምስክር ወረቐትን ካብ ሓደ አቦታት ማሕበር ዝኾኑ አቶ ብርሃነ ገብረንጉስ ተቐቢሎም። አዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ አባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዝኾኑ የሕዋት ዳኒኤል ገብረሚካኤል፡ ዶ/ር ጽጋብ አስመላሽን ገዛኢ ዘርእሰናይን ነቶም አብ ውዕሎ ኒው ዮርክ ዝተሳተፉ አባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዘዳለውሎም ሽልማት ሂቦሞም። ውዕሎ ኒው ዮርክ አብ ህዝብናን ብሓፈሻ አብ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ንዝነበረ ፍርሂ ዝሰበረ ዕውት ስርሒት ምዃኑ ይፍለጥ። 

           አባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ድማ ነዛ ሽልማት ነቶም አብ መላእ ዓለም ብትብዓትን ቆራጽነትን አንጻር ውልቀ ምልኪ ንዝቃለሱ ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ህያብ ንኽትከውን አወፍዮማ። ነቲ አብ ሎንዶን፡ አብ ሊድስ፡ አብ ዮተበሪ፡ አብ አብሳላ፡ ኦስሎ፡ ዲሲ፡ አብ ጀርመን ጊሰን፡ ዙሪክ፡ እስራኤልን ካልእን ዝግበር ዘሎ ናይ መንእሰያት መኸተ ድማ አሞጊሶም።

          ነዚ በዓል እዚ ንኸማዕርጉ ኤርትራውያን ካብ ርሑቕን ቀረባን ተሳቲፎም። ብፍላይ እቲ ህቡብ ድምጻዊ ዮናታን ሃብተ ካብ ሃገረ ጀርመን ምንም ከይተኸፍሎ ብነጻ መጺኡ ንዘርዓዮ አዝዩ መሳጢ ክእለትን ምቁጽጻር መድረኽን ካብ ተዓዘብቲ አድናቖት ረኺቡ። ከምኡውን ሓው ኣማኑኤል ዘሚካኤል ካብ ኦሃዮ ኩሉ ወጻኢታቱ ባዕሉ ሸፊኑ ከላሂየና ዝመጸን፡ ብቪድዮ ምቕራጽ ዝተሓባበረና ዘሎን ከየመስገናዩ ክንሓልፍ ኣይንደልይን።  ነዚ በዓል ንምምዕራግ ጉዱሳት ኤርትራውያን ንዋታዊ ሃገዝ ንዝገበርሉና፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ተደጋጋሚ ሓገዝ ዘወፈየልና ሓደ ካብ ላዕለዎት አማኸርቲ ማሕበርና ዝኾነ አቦና ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ ምስጋናና ነቕርብ።

          አብ መዛዘሚ አብ ውሽጥን አብ ስደትን እትነብር ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ አንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2012 ዓ.ም አብጽሓካ። ዝሓለፈት ዓመት 2011 ዓ.ም ንኹሉ ዓንዳሪ አካይዳ ስርዓት ህግደፍ ይአክል በቃ ኢልካ፡ ሓያል መኸተ ተቐኒትካ ንህግደፋውያን ውድቀቶም አብ ዝሓጸረን ዘይተርፍን ምዃኑ ዘረጋገጽካላ ዓመት ስለዝነበረት ንሕና ካብ አብራኽካን ማህጸንካን ዝተፈጠርና አባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ናይ ዮሃና መልእኽትና ነመሓላልፍ።

ነቲ ዝነበረ ምሸት ንምዕዛብ እዘን ዝስዕባ ጥብቆ ኣምርሑ፡

http://www.youtube.com/watch?v=r384Xe8Nk5E&context=C3894d8cADOEgsToPDskIBU2R14khh0n8sQRTBRtwj

http://www.youtube.com/watch?v=pxpbfWY9z1o&feature=context&context=C3de98f0ADOEgsToPDskIyxbn_bZf2Sj2Rf5hPWP4Y

http://www.youtube.com/watch?v=IdhQygLDyaE&context=C3de98f0ADOEgsToPDskIyxbn_bZf2Sj2Rf5hPWP4Y

http://www.youtube.com/watch?v=HBZz3NhSOho&context=C302422fADOEgsToPDskLQt7vrWstmXoN1I5c_fvWN

http://www.youtube.com/watch?v=XHRSXbj61Sc&feature=context&context=C3de98f0ADOEgsToPDskIyxbn_bZf2Sj2Rf5hPWP4Y

ክፍሊ ዜናን ባህልን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,302,404 وقت التحميل: 0.45 ثانية