Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሃገራዊ ዜና
أخبار

ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሃገራዊ ዜና

ኣብ ባረንቱ ጉሉል ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተኣስሩ እሱራት ብዕለት 19/11/2011 ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጦም ከም ዝሃደሙን ብሰራዊት ዳህሰሳ ይካየድ ከም ዘለው ካብ ውሽጢ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ወሲኹ ከም ዝሓበሮ ካብዞም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጡ ገሊኦም ክቅተሉ እንከሎ ገሊኦም ቆሲሎም ከም ዝተታሕዙ ሓቢሩ፡፡ ካብዚ ኣሬሜናዊ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ 15 ሰባት ኣምሊጦም  ክስወሩ እንከሎው ስርዓት ህግደፍ ድማ ኣብ ከቢድ ድህሰሳ ተጸሚዱ  ከም ዘሎ እቲ ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ ካብዚ ሕሱም ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጦም ንዝሃደሙ ሰባት ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ዘሎ ድህሰሳ ምትሕብባር ይግበር ከም ዘሎ ስለዝተሰምዔ፡ ኣብዚ እኩይ ተግባራት ኣትዮም ዝዋስኡ ዘለው ዜጋታት ኢዶም ንክእርንቡ ውድብ ዲምሓኩኤ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጻዋዒቱ የመሓላልፍ፡፡

ብካልእ ሸነኽ ስርዓት ህግደፍ ዘርኢ ብሄር ኩናማ ንምጽናት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሄረ ኩናማ ተጠቀምቲ ሃብቲ መሬተን ንከይኮና ከም ዝኣገደን ካብ ውሽጢ ምንጪታትና ሓቢሮም፡፡ ብመንግስቲ ተፈላጥነት ዘለወን ናይ ዕደና ቦታ ብፍላይ ዕደና ወርቂ ኮሶልዳ፡ መንግስቲ ነቲ ቦታ ናብ ውልቀ ሰባት ስለዝሸጦ፡ ደቀን ንክዕብያ ንዝመጻ ኣዴታት ምስ ደቀን ካብቲ ቦታ ኣጋፊዖም ብምብራሮም ኣብ ናይ ጥምየት ሓደጋ ተሳጢሔን ከም ዝርከባ ተፈሊጡ፡፡ እዞም በብሓሙሽተ ዝተወደቡን ናይ መስርሒ ወረቀት ዝተዓደሎም ሰባት እቲ ዝረኸቡዎ ወርቂ ናብቶም ሰብ ርእሰማል ንክሸጡዎ ከም ዝግደዱ እቲ ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ እቶም ሰብ ርእሰማላትን ሰራሕተኛታቶም እቲ ብደረጃ መንግስቲ ተሰሊዑ ወሪዱ ዘሎ ግፍዒ ከይኣክሎም ኣብ ሕምብርቲ ቁሸታት ብሄረ ኩናማ ዘሊቆም ብምእታው ኣብ ማእከል እተን ቁሸታት ወርቂ ንምዕዳን ጎዳጉዲ ብምኩዓቶም ተቀማጦ ኣይኮታ ተቃውምኦም ነቲ ጎዳጉድቲ ብምድፋን የስምዕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

ስለያ ህግደፍ ንሰለስተ ኣመሓደርቲ ዳሴ ዝኾኑ፡ ንሓደ ኩናማ ክልተ ናራን ብዕለት 16/12/2011 ብዘይ ምንም ምኽንያት ሒዞም ከቢድ ኣካላዊ መግረፍቲ ኣብ ልዕሊኦም ብምውራድ ሒዞሞም ከም ዝኸዱ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣስማት ናይዞም ዝተታሕዙ ኣንዱ ሳለ (ኩናማ)፣ ኣሕመድ ሽም ኣብኡ ዘይተፈልጠን ዑስማን ሽም ኣብኡ ዘይተፈልጠ (ደቂ ናራ) ከም ዝኾኑ ተረጋጊጹ፡፡ ከምኡ ድማ ስርዓት ህግደፍ ብዕለት 26/12/2011 ኣብ ከባቢ ዳሴ ግፋ ከካይድ እንከሎ፡ ብዕለት 22 ን 27/12/2011 ኣብ ባረንቱ ግፋ ከም ዘካየደን  ካብ ባራት ከይተረፈ ሕጻውንቲ ዝሓዘላ ኣደታት ገፊፉ ንመደበር ታዕሊም ኳዕላይ ከም ዝወሰደን ተረጋጊጹ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 26/12/2011 ኣብ መዔደኒ ወርቂ ኮሶልዳ ንምግፋፍ ከይዶም፡ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ምኻኑ ስለዘስገኦም ዕጥይጥ ክብሉ እንከሎው፡ ሓደ ካብኣቶም ሞሊቁ ብምኻድ ንክገፉዎም ከም ዝመጹን ንክሃድሙ ከም ዝሓበሮም እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

ብካልእ ሸነኽ ዑሱብ ሉተር ሙሳ ብዕለት 12/12/2011 ኣብ ካርካሻ ኣኼባ ብምኽያድ ከምቲ ልሙድ ንኣገልግሎት ካብ ካርካሻ 30 ሰብ፣ ታይካናባ 27፣ ቱታ ኩሪ 5፣ ሶና ማሪቲ 5 ንከመዝግቡ ከም ዝሓበሮም ተፈሊጡ፡፡ ኮይኑ ግን ህዝቢ ተቃውሞኡ ብስቅታ ከም ዝገለጸ እቲ ዝመጸና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,290,108 وقت التحميل: 0.33 ثانية