Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 21 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ብሽም ወዲ ጣባ)

ሓደ ካብቶም መጽነቲ ደቀባት ኣባል ኢሰባ ደርጊ ዝነበረ

ስቅያት ህዝብና ክተናውሕ ተኸዊልካ ኣብ ደበንገረ

ንዲክታቶር ክተድሕን ነቲ ብደም ዝዘቕበበ መኒኻ ትምድር መደረ

(እዚዩ እቲ ሓቂ መራሒ ህግደፍ ብደም ዝሰኸረ)

Afwarkey 012.jpg

 ናይ ጭፍራ ሓሶት

ምስ ኣጨነቆ ነኣእምሮይ

ሹዑየ ዘልዕሎ ብርዔይ

ስለምንታይ.ሲ

ኢሰያስ ሓሳዊ

እንተ ዝኸውን ፍትሓዊ

መጽነተናዶ እንዳ ኣጎደ ሓዊ

ወዲ ጣባ ንሓሶት መቃናጀዊ

ደገፍ ነቲ ሃገር መዕነዊ።

እቲ ተኹላ ዝከፍኤ ካብ ዝብኢ

ሃገር ምስ ህዝባ መጥፍኢ

ተኸተልቶም ጽባሕ ትስእን መሕብኢ።

ወይ ለብዘበን

በዚሖም ለመምታ ኣትማን

ካብቶም ተጸልሞም ዘለኻ ዝሓሸ ንእተ ዝኸውን

እንተ ንሱ ከም ኣሰለት ኣብ ማዓንጣና ይጥንጠን

ደምና ይመጺ ኣብ ኤረትራ ዝፈረየ ጋኒን።

በል ስማዕ ናይ ኢሰያስ ዋህዩ

ኣብ ደንበ ጃንዳ ትምድር ዘለኻ

ንመን ንምድንጋርዩ ዝኹሉ ያላኻ

ብመን ተወኪልካ ኢኻ

ንኢትዮጵያ ከድካ

እዚኹሉ ክትፈልጥ ዝኻኣልካ።

የዋሃት ክተዳናግር

ኣብ ፓልቶክ ትግዕር

ብዘይ ስተርሶ ማኪና ትዝውር

ኢሰያስ ከይመስለካ ዝነብር

ቀሪቡ ዘሎ ስርዓት ክቅበር

ንዑኡ ከተድሕን ትብል ዓረር።

ንመንእሰያትና እንዳ ተረሸነ

ተኸዊልካ ኣብ ደበንገረ

ንደቀባት ካብ ሃገሮም እንዳ ባረረ

ንጃጋኑና ዒራዒሮ ዝቀበረ

ንተረፍ ደርጊ ከማኻ ንቕንጅት ኣስመራ ዘስፈረ

ንኢሰያስ ንምድሓን ተስምዕ መደረ

ክተዳናግር ነቲ ምድረበዳ ዝሰገረ

ነቲ ንለውጢ እጃሙ ከበርክት ዝሰመረ

ወዲ ጣባ ዑሱብ ጃንዳ መልሓሱ ዕረ።

 

ናይ ጭፍራ ሓሶት እንተ ተደጋገመ

ሓሳዊ ዘጸለመ እንተ ኣጸለመ

ክቅንጠጥዩ እቲ ግመ

ወይልኡ ቃላት ጃንዳ ዝደገመ

ብህዝባዊ ሓለንጊ ምስ ተጨልገመ

ዓወት ይሓፍስ ንፍትሒ ዘቀደመ።

ወዲ ጣባ ናይ ጭፍራ ዋህዮ

ንመንእሰያት ዝወረዶም በደል ዶ ሰሚዕካዮ

ንዓለም ብዓለሙ ዘበለ እዝግዮ

እዚዩ እቲ ሓቂ ስምዓዮ።

እዚ ውን ይሓልፍ ኢሉ

ብደሙ ጽሒፉ ዝሓለፈ መንእሰይ

ግዳይ በደዊን ዝኾነ አብ ሲናይ

ግን ደሓን ክፍደዩ ቲ ሕነ ዳሕራይ

ሹዑ መልሓስኩም ተዓጽፉ እኒ ካሕዳይ።

እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ

ብሓቂ ደም እንተለካ

ዓገብ ክትብል ምተገባኣካ

ግፍዒ ናይ ቶም ትምጉተሎም ዘለኻ

ኣብ ደንበ ስመር መጺኻ

ስማዕ ጽንኢልካ ከም ህዝብኻ

ክንዲ ግፍዔኛታት ከይተማጎትካ

ኤረትራዊ መቦቆል እንተ ሎካ።

ኣብ ዘበን ህግደፍ ንመን ጥዒምዎ

ብጀካ ንጃንዳ መን ኣሎ ዝረሃዎ

ወዲ ጣባ ንመን ክተዔሽዎ

ህግደፍ ውን ይብሉ ኣለዉ ኢሰያስዩ ሊኢኽዎ

ገንዘብና መናውሒ ስልጣኑ ገርዎ

እዚ ሰብ ኣበር ኣለዎ

ንክሕሱ ዶላራት ሂብዎ።

(ወዲ ጣባ ክንዲ ሸፋቱ ትካላኸል)

መንእሰይ ብሂወቱ እንዳ ተሸጠ

ተሓቢእካ ኣብ ውሻጠ

ሓሶትካ ሓቂ ይመስሎ ነቲ ዘይፈለጠ።

 

(ኣመል ምስ መግነዝ)

 

ከማኻ ዋህዮታት

ህዝቢ ክነብር ዝምነዩ አብ ጸልማት

ማኣዝኑ ዝሰሓተ ሓሶት

ሓቂ ይመስሎም ነቶም ጉሩሃት

ስለ ዘይፈለጡ ምዃንካ መሳርሒ ከዳዓት

ናይ እቶም ነጻነትና ዝቀየሩ ናብ ባርነት

ዝጠለሙ ሕድሪ ሰማእታት

እዚኦም ከይወረዱ ዘበት

ህንጻ ሕጊ ተተርጕሙ ማለት

ዝተዓስበት ልሳን እንታይ ዘይትዛረብ ክንዲ ሰተይቲ ደም ትማጊት።

ክምእርር ዝሓደረ ዝብኢ ዝብላዕ ሲኢኑ መረት ወጊሕዎ

ዘንግሁ ጓሶት ኣብ ዲብያ ኣእቲዮም ዝቐጥቀጥዎ

ንወዲ ጣባ መታን ብተግባራቱ ክትፈርድዎ

መሳርሒ ደርጊ ምንባሩ ፍለጥዎ

ሕጂ ውን ከም ኣመሊ ኢሰያስ ዓሲብዎ

ንመራሒ ጭፍራ ጉባኤ ሃዋሳ ኣሰንቢድዎ

ዝገብሮ ሲኢኑ ዝብሎ ጠፊእዎ

ሕጂስ ሳዓብቱ  እኳ ፈንፊኖምዎ።

ደቂ ኤረይ (2012) ሓመድ ድበ ጃንዳ ክተርክቡ ተዳለዉ

እጃምኩም ኣበርክቱ ኣይትዓሽዉ

ህግደፍ ለኪሞምኹም ከይተዓለዉ

ካሃድሙ ይዳለዎ እዮም ዘለዎ።

(ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ዓመት ፍትሒ ዓሓርነትን ቅሳነትን ይግበረልና)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሽዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,423,463 وقت التحميل: 0.23 ثانية