መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ
ብምኽንያት ታሕሳስ 10 ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላትን
ኣብ
ሲናይ
ዘጋጥም
ዘሎ
ሓደጋታትን: ንሕና ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግቶን
ዲሲ ኣብ ፊት ዋይት ሃውስ ኣዳሊና ኣለና:: ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን ድማ ናብዚ ሰልፊዚ ክሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም:: ከምኡ'ውን ኩለን ኤርትራውያን ውድባትን ማሕበራትን ነዚ
ብመንእሰያት እናተወደበ ኣብ ኩለን ሃገራትን ከተማታትን ዝባራዕ ዘሎ
ህዝባዊ
ማዕበል ስሙር ደገፍ ክልግሳሉን
ክሳተፎኦን ንጽውዕ:: እቲ እናሓደረ ዝብእስ ዘሎ ወጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ ክስገር ኩሉኻ ደላይ
ፍትሒ ኤርትራዊ ስመርርርርርርርርርርር ድማ
ንብል::
ዕላማ ናይ'ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ስሙር ድምጽና
· ምእንቲ አብ ውሽጢ
ኤርትራ: ናይ እምነት: ናይ ምዝራብ: ናይ ምእካብ: ድምጽኻ ናይ ምስማዕ: ኮታ ኩሉ ሰብአዊ መሰሎም ተረጊጹ: ብዘይ ፍትሒ አብ ሸላታትን ናይ ትሕቲ መሬት
ጎዳጉዲ
ተኣሲሮም: ንዓመታት ብርሃን ጸሓይ ተሓሪምዎም ዝበልዩ ዘለው
-
ምእንቲ እቶም ነጻ ጉልበቶም መፍቶ ሰበ
ስልጣን ኮይኑ ንዝያዳ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ብዘይ ሓርነትን ደሞዝን አብ አርዑት ባርነት ወዲቖም ዘለዉ መንእሰያት:
-
ምእንቲ እተን ፋሕ ፋሕ ኢለን: ዘርሞ
ዘርሞ ተሪፈን ዘለዋ ስድራቤታት: ገለ አባለን አብ ማእሰርቲ: ገለ ኣባለን አብ ስደት: ገለ ድሃይ ዘይብሉ: ገለ ድማ ዝተቐብጸ ኮይነን አብ ታኼላ ሽግርን ሕሰምን ተሸሚመን ዝስቀያ ዘለዋን:
ምእንቲ እቶም ብዘይ ፍቕሪ ወለዲ ዝዓብዩ ቆልዑን ምእንቲ ውሉደን አብ ቅድሚ ኣዒንተን ዝተመንጠሉወን ስድራ
-
ምእንቲ እቶም ኣብ ገዛእ እታ ደም
ዝረሃጹላ ሃገሮም ክብረት ስኢኖምን ተዋሪዶምን ብሰሪ ሕሱም ባርነት ከምዝባረሩ ኮይኖም አብ ሑጻ በረኻታት ሳሃራ ብጸሓይን ብንፋስን ደሪቖም ዝተርፉ ዘለው መንእሰያት: ምእንቲ እቶም ነዚ ሰጊሮም
ድማ በብድርብ አብ ማእከላይ ባሕሪ መላስ አውያት ዘይብሎም ድራር ፍጡራት ባሕሪ ኮይኖም ተዋሒጦም ዝተርፉ ዘለው
-
ምእንቲ እቶም ብጨካናት ጎሓሉ
ብህይወቶም እናረአዩን እናሰምዑን: አምዑቶም ተኸፊቱ: ናውቲ ከብዶም ከም መቀያየሪ አቕሑ ተመንጢሉ እናተወስደ: ተሳሒጎም ህይወቶም ዝሓልፉ ዘለዉ
-
ምእንቲ ቶም ብፍላይ ሎም ቅነ አብ
ሓታቲ ዘይብሉ አብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲታት ምስርን ሊብያን ሱዳንን ንዓመታት ክበልዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብግድን ብሸርሕን እታ ተኾርሚዮም ዝነብሩላ መሰል ስደት'ኳ ተነፊጋቶም ብዘይድልየቶም ናብ አፍ
ገበል ከምዝምለሱ ዝኾኑ ዘለዉ
ከምኡ'ውን ምእንቲ ኩሎም ግፉዓት ናይ ሓባር
ድምጽና ከይተፈላለና ብሓደ ቃና ንምስማዕ ዩ::
ንሕና እዞም አብ ተዛማዲ ራህዋን: ስላምን መሰልና አብ ዝተኸብረሉ ሃገር
ንነብር ምእንቲ’ዞም ዘይጠዓሞም አሕዋትናን ኣሓትና ድምጽና ከነስምዕ ሰብአዊ ግደታ አለና:: እታ ናይ ሓዋሩ ቤትናን መንበሪትናን መሰረትናን ዝኾነት ሃገርና ኤርትራ እናርአናያን ቁልቁል ናብ ሲኦል
እናተኖቑተት: ብሕግን ስርዓትን ብግዝአተ ሕግን ብቤትፍርድን ዘይኮነት ብዊንታን ድልየትን ውልቀሰባት ሓርነት ብዙሓት ዝርገጸላ ናይ ባሮት ደምበ ኮይና እንከላ ትም ክንብል
ናይ
ሕልና
ገበን
ኢዩ::
ስለዚ ኩልና ብሓባር ድምጽና ነስምዕ::
ብርግጽ
ገለ
ኤርትራውያን
ኣሕዋትናን
ኣሓትናን
ብፍላጥ
ይኹን
ብዘይ
ፍላጥ ምስዚ ጠንቂ’ዚ ኩሉ ስደትን መከራን ዝኾነ: ገባቲን መላኺ ስርዓት እናተደናገጹ:
ብዛዕባ እቶም ህይወት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባቶም ዘላ ኣሕዋትናን ኣሓትናን
"አይግድሰናን ወይ
ውን
አይንጽንበረኩምን" ክብሉና እዮም:: ንሕና ግን ከምቲ እቶም ኣብ ሲናይ
ዝሃለቑ ኣሕዋትና ብደም ዝጸሓፍዎ ቃላት "እዚ
ውን ይሓልፍ"
ኢልና አዒንትና ናብ ዕላማ ሰላምን ፍትሕን ክብረት ስብ አዊ መሰልን ኣቕኒዕና ንቕድሚት ንመርሽ::
ዕለት:
ቀዳም ታሕሳስ 10 2011
ሰዓት 9:00 ቅድሚ ቀትሪ
ቦታ: ፊት
ዋይት ሃውስ
ስመር ስመሪ ንስመር!!!!
ኮሚተ ሰለማዊ ሰልፊ ስመርርርር
ዋሺንግቶን ዲሲ
|