Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብ “ኦፐረ&#46
أخبار

ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብ “ኦፐረሽን ሺካባ ሶና”

ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዕውታት መጥቃዕቲታት ኣካይዶም፡፡

ወታሃደራዊ መሪሕነት ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ካብ ዕለት 28/10/2011 ጀሚሩ ክሳብ 05/11/2011 ዕውት ኣኼባ ድሕሪ ምኽያድ፡ ናይ ስራሕ መደባት ከም ዝሓንጸጸ ካብ ወታሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ዲምሓኩኤ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ወሲኹ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብዚ ዕውት ኣኼባ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፡-

  1. ብሺካባ ሶና ዝጽዋዕ ወታሃደራዊ መጥቃዕታት ንክውስደ ውሳኔ ብምህላፍ  ትርጉም ሺካባ ሶና ብዝርዝር ኣቀሚጡ፣

  2. ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ንምዕዋት ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለ ከፊሉ መጸውዒ ኣሽማት ብምሃብ ኣኼብኡ ከም ዝዛዘመ ሓቢሩ፡፡

ብምቅጻል ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ንምዕዋት ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ካብ ዕለት 17/11/2011 ክሳብ 27/11/2011 እኹል መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ጸላኢ ስለያ ድሕሪ ምክያድ፡ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ማርባቲ፡ ብዕለት 28/11/2011 ሰዓት 11፡50 ኣብ ዴሌ ዝሰፈረ ናይ ክፍለ ሰራዊት 57 ምስ ቀዳማይቲ ብርጌድ ብምውህሃድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ በዳላት ትፍጽም ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ሓንቲ ጋንታ ስለያ ህግደፍ ብኢድ ቡንባን፣ ብሬን፣ ኣርፒጂን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኪሳራ ኣውሪዱ፡፡ ኣብዚ ዕውት መጥቃዕቲ ነታ ጋንታ ክድምስሳ እንከሎ ነታ ንቁጣ እውን ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዘዕነዋ ካብ ወታሃደራ ቤት ጽሕፈት ዲምሓኩኤ ዝተላእኸልና ዜና ሓቢሩ፡፡ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ብዕለት 28/11/2011 ለይቲ ካብ ሰዓት 11፡50 ክሳብ 12፡20 እቲ ዝተዋህባ መደብ ብዕውት መንገዲ ከም ዝፈጸመት እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡፡

ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወረደ ኪሳራ

  1. ንቁጣ ጸላኢ ደምሲሱ

  2. ሓንቲ መደቂሲ መረባዕ የዕኒዩ

  3. ዓሰርተ ሰለስተ (13) ስለያ ህግደፍ ተቐቲሎም

  4. ሽድሽተ (6) ስለያ ህግደፍ ቆሲሎም፡፡

 

ካብ ጸላኢ ዝተሰልቡ

  1. ሰለስተ (3) ክላሽን

  2. ትሽዓተ ሚእቲ (900) ጠያይቲ ክላሽን

  3. ሽድሽተ (6) ካዝና ክላሽን

  4. ሰለስተ (3) ሙሉእ ዕጥቂ ወይ ኩፉፍ

  5. ሾሞንተ (8) ናይ ኢድ ቡንባ ሰሊቡ፡፡

 

ቀዳመይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ድሕሪ እዚ ዕውት መጥቃዕቲ ንቦትኣ ብሰላም ከም ዝተመልሰት እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

 

በዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተሰናበደ ሓይሊ ጸላኢ፡ ንጽባሒታ ነቶም ብጀጋኑ ተጋደልቲ ሙውታትን ቁሱላትን ዝኾኑ ንኽጓርቱ ካብ ባረንቱ ክልተ ቶዮታ መኪና  ሒዞም ከም ዝመጹ ተፈሊጡ፡፡ ከምኡ እውን ጸላኢ ብዕለት 29/11/2011 ሙሉእ መዓልቲ ኣሰርን ተፍትሽን ከካይድ ከም ዝወዓለ እቲ ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

 

ካልኣይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ኣሪታ፡ ብተመሳሳሊ ብዕለት 28/11/2011 ለይቲ ሰዓት 11፡30 ኣብ መንጎ ሞልቒን ደምበ ዶሮና ናይ ዝዓረደት ክፍለ ሰራዊት 26 ካልኣይቲ ብርጌድ ዝኾነት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጋንታ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ከቢድ ኪሳራ ከም ዘውረደ ካብ ጀጋኑ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ወሲኹ ከም ዝሓበሮ እቲ ዕውት መጥቃዕቲ ብኢድ ቡንባን ክላሽንን ዝተሰነየ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ጥሪት ጸላኢ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ከም ዝወረደ ሓቢሩ፡፡ ካልኣይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ኣሪታ፡ እቲ ዝተዋህባ መደብ ካብ ሰዓት 11፡30 ክሳብ 12፡00 ብዕውት መንገዲ ፈጺማ ናብ ቦትኣ ብሰላም ተመሊሳ፡፡

ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወረደ ኪሳራ

  1. መደቂሲ ኣባይቲ ጸላኢ ብሓዊ ተቃጺሎም

  2. ኣብ ልዕሊ ጥሪት ጸላኢ ከቢድ ኪሳራ ወሪዱ

  3. ሽድሽተ (6) ሓይሊ ጸላኢ ተቐቲሎም

  4. ኣርባዕተ (4) ብከቢድ ቆሲሎም፡፡

ካብ ጸላኢ ዝተሰልቡ

  1. ኣርባዕተ (4) ኣቡሃዲድ ክላሽን

  2. ሰለስተ ሚእቲ (300) ጠያይቲ ክላሽን

  3. ኣርባዕተ (4) ሙሉእ ዕጥቂ ወይ ኩፉፍ

  4. ሾሞንተ (8) ናይ ኢድ ቡንባ

  5. ሸውዓተ (7) ካዝና ክላሽን ሰሊቡ፡፡

ብድሕሪ እዚ ዕውት መጥቃዕቲ ናይ ክ/ሰራዊት 27፡ ካልኣይቲ ብርጌድ፡ ንካልኣይቲ ጉጅለ ኦፐረሽ ሺካባ ሶና ኣሪታ

ከርዲና ንምድምሳስ ሓንቲ በጠሎኒ ተወሳኺ ሓይሊ ኣምጽኣ ዝርካባ ኣጽዋር ብሙሉኡ እንተተጠቅመት እውን፡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ጉጅለ ኣሪታ፡

ምንም ከይተሰናበዱ ብትብዓት መኪቶም ከም ዝበታተኑዎም እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ሳልሰይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ካቲራ፡ ብዕለት 28/11/2011 ቀትሪ ሰዓት 11፡00 ኣብ ሊባን ወይ ጎቦ ኣውላ ናይ

ዝሰፈረ ክ/ሰራዊት 21፣ ሳልሳይቲ ብርጌድ ማይ ኣብ ልዕሊ እተመላልስ ቦጥ መኪና ናይ ዲቢያ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ነታ ቦጥ

ካብ ስራሕ ወጻኢ ክገብራ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ ዝነበሩ ሰራዊት እውን ከቢድ ኪሳራ ከም ዘውረደ ካብ ወታሃደራዊ ቤት ጽሕፈት

ዲምሓኩኤ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ሳልሰይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ካቲራ፡ ዝተወሃበ መደብ ልክዕ ሰዓት 12፡00 ፋዱስ ብዓወት ዛዚማ፡፡

ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወረደ ኪሳራ

  1. ሓንቲ ቦጥ መኪና ተሓምሺሻ

  2. ኣብ ልዕሊ እታ ቦጥ ዝነበሩ ኣርባዕተ (4) ሓይሊ ጸላኢ ተቐቲሎም፡፡

በዚ መጥቃዕቲ ዝተሰናበደት ሰራዊት ክፍለ ሰራዊት 21 ትሕዞን ትጭብጦን ጠፊኡዋ  ንተቀማጦ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ደቅኹም መጺኦም

 ስለዘጥቁዑና ናይዛ ዝዓነወት መኪና ዋጋን ናይዞም ዝተቐትሉ ጋርነፍሲ ክትኸፍሉ እኹም ኢሎም ከም ዘጉባዕቡዑሎም እቲ ደንጉዩ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

ናይ ራብዓይቲ ጉጅለ ኦፐረሽን ሺካባ ሶና ኣይባ፡ ዕውት መጥቃዕቲ ዝርዝራቱ ምስ በጽሓና ክነቅርቦ ኢና ተኸታተሉና፡፡

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,429,041 وقت التحميل: 0.24 ثانية