Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣገናዕ ሃብሮማት መንእሰያት
أخبار

ኣገናዕ ሃብሮማት መንእሰያት

ንስካትኩም ኢኹም ናይ ህዝብኹም መስትያት

ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን)

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን) ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

ብኣኻዩ ዝዕወት እቲ ራእየይ ትምንተይ

ኣብ ጐንኻ ኣለና ሃብሮማይ መንእሰይ

ንስኻኻ መድሕን ንስኻኻ ፈውሰይ

ተቀባሊ ሕድሪ ንስኻኻ ወራስየይ

ተሓቢነየ ብኣኻ ክገልጸልካ ሓጐሰይ

እቶም ጸላእትኻ ንዓይውን ጸላእተይ

ንህዝቢ ዘሳቅዩ እዞም  ስሚ መንእሰይ።

ኩሉ ዘረባኦም ተኣፋፊ

መንባሃቕቲ ተጸበይቲ ሕልፊ

ንኺድ ጥራይ ዝብሉ ክሳብ ጸድፊ

ወቃዕቲ ከበሮ ሳዕሳዕቲ ምስ ደርፊ

ደቂ ሕድርትና ውን ኣለወኦም ዝተኸደና ጥልፊ

ንሰብኡተን ዘፍትሕኦም ቁልፊ

መንግስትና ዝብላ ንሰራቂ ዘራፊ

ሕሉበን ንጹፈን ሓሶት ጸርፊ።

ዘገርም)

ዘስደምም ግን ናይቶም ዓበይቲ ሸያባት

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ወደስቲ ማፍያታት

እንዳ ረኣይዎም ክቅዘፉ ዕሸላት መንእሰያት

ሸየጥቲ ሕልንኦም ዘይጹንዓት

ብሕልፊኳ እቶም ዶካትር ምሁራት

ንህዝቦም ዝረስዑ ናይ ኢሰያስ ዑሱባት

ፍጹም ዘይዓጅቦም ናይ ኣደታት ንብዓት

ንሓደ ሰብ ዘምልኹ ተበለጽቲ ጀራቋት

ዓገብ ዘይፈልጡ ዘየጥረዩ ትብዓት

ኢሰያስ ጭርሖኦም ብህዝብና ፍንፉናት

11ተካልዩ እዋኑ ምጾታትዩ ምጾታት።

እዚ ፍንፉን ስርዓት ዓለም ዝፈንፈኖ

ብክብረት ሓንጊዱ ሕጂ ብልማኖ

ጻድቅ ተመሰለ የብሉን ዝኣምኖ

ገዳይ ገዳይ ዘብዝሕ ደረቀኛ ዕዋኖ

ንምሸቱ ዘፍርሶ ንግሆ ዝወሰኖ

ፍላስፋ ናይ ሓሶት ትምክሕቲ ዘሻደኖ

ኮሶ ኣስትይዎ መድሃኒት እንተኾኖ

ይኣክል ንህዝብና ዝጨቆኖ ዘማሰኖ

ሓሶትን ፈኸራን ዘዕወንወኖ።

መሬት ዓድታት ኤረትራ ተዘሚቱ

መሬት ዓዲ ሰጉዶ ቤት መኻእ ተዘሚቱ

መሬት ጐዳይፍ ዓዲ ጓዕዳድ ተዘሚቱ

መሬት ቁሸት ጻዕዳምባ ተዘሚቱ

መሬት ዓዲ ኣበይቶ ኣርብዕተ ኣስመራ ተዘሚቱ

መሬት ሃዘሞ ተኸላ ተዘሚቱ

መሬት ሰንሒት ጋሽ ባርካ ተዘሚቱ

ብዶላራት እንዳሸጦ ንመጋበርያታቱ

ሰስብሑ ንጀነራላቱ

መንግስትና ዝብሉ ርስቶም እንዳ ተዘመቱ

ወዲ ኣፎም ጅግና ንሓለቓ ሸፋቱ

ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ንድሕነቱ

ትንፋሶም ዘይሓለፈት ብሂወቶም ዝመቱ

ጠላም ከዳዕ መጉሃይ ስድራበቱ

ሽለት ሕማቕ መሕዘኒ ብጾቱ።

ብኹሉ ዝከሰሩ ጻማኦም ንኾንቱ።

መሬት ዓዲ እንዳሸጦ መንግስቲ

ኣንቱም ደቂ መሬት ደቂ ርስቲ

እንዳ ተዘመትኩም መጣቃዕቲ

ይኣክል በልዎም ንዓመጽቲ

ወጊድ ምጽማም በዚሑ ትዕግስቲ

ንመሬት ንርስቲ ዝዋጋኣላኳ ኣንስቲ

ኣንቱም ብዋጋ ህዝቦም ተጣላዕቲ

ነዚ ዓምባኽ ስርዓት መሳሰይቲ

ፍሱሳት ሓሞቶም ተጣራዕቲ

ናይ ሰብዓታት ተጋደልቲ ናይ ሎሚ ዋጠይቲ።

እቶም ድዀዕታቱ ክጽረጉ ብባዴላ

እቶም ንሕና ንሱንሱ ንሕና ዝብላ

እተን መንእሰያት እንዳ ተቀዘፉ ዝስዕስዓ ዝዕልላ

ኣደታት ብሑዝናተን ዝቑነና ዝኾሓላ

ዝተዓዛዘረን እተጸለላ

ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ሓንቲ ማዓልቲላ

ኣደ ስውእ ንብዓታ ትሕብሰላ

ጃንዳ ህግደፍ ዝኣትወላ ኣብ ሸላ

ዝተኣሰረ ጅግና መቁሑ ትፍትሓላ

ቀሪባያጸሓይ ውጽዓት ትበርቀላ

ረባዓት ካብ ዓጠቑ ዋዕሮታት ካብ ተላዕላ።

ፍቅርን ስኒትን ንህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ሞት ንስር ዓት ህግደፍን ጭንግዓቱን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,419,521 وقت التحميل: 0.23 ثانية