Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ዘራጊ ማይ እንከሎ: ጽሩይ ማይ ኣይስ&#4
أخبار

EYGM.jpg

ዘራጊ ማይ እንከሎ: ጽሩይ ማይ ኣይስተን

ንዘስተውዕል ብሓቂ ኣእምሮ ዘለዎን ዘገናዝብን እዚ ዘለናዮ መድረኽ ህጹጽ ሕቶ ህዝቢ፡ ሕቶ ብኩራት ፍትሕን ሓርነትን ክንምልሽ ንዘይመስረታውያን ፍፍልያት ኣጽቢብና ኣብ ሓደ ስፊሕ ዲሞክራሲያዊ ሜዳ ተጠርኒፍና ክንቃለሰ ዝሓትት ምዕራፍ ኢዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓሲምዎን ሰፍ ዘይብል ምልኪ ኣብ ዝባኑ ተወጢሕዎን ዘሎ ወቕቲ ሰለዝኾነ፡ 'ቆሎ ጥጥቖ' ዛዕባታት ነኳማስዓሉ ስዓት ዘይይኮነስ: ኣብዚ ዕድል ዘይህብ መድረኽ ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ለይቲ ምስ ምዓልቲ ክንሰርሓሉን ወርትግ ክንረባረብሉ ዝሎና እዋን ምዃኑ ኢና ንርዳእ።

እንተኾነ እዚ ዘይስገር ኩነት ኣብ ባይታ እንከሎ፡ ብዙሕ ክንሰርሖም ዝግባእ ዓበይቲ ዕዮታት ኣብ ቅድሜና እንዳሃለው፡ ነዚ ውድዓዊ ኩነታት እንተ ብገርሂ እንተ ብጉርሒ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ውልቃዊ ጉጅላውን ጥሙሓቶም ከሳስዩ፡ ነቲ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ በቲ ዝድለ ናህሪ ከይስጉም ዝዕንቅፉ ኣይተሳእኑን።

ሓቂ ኢዩ ምእንቲ ሓድነት፡ ምእንቲ ሰላም ዝግበሩ ሕድገታት ክህልው ግድን ኢዩ። ግን ከኣ ገለ ምእንቲ ቃልሲ ተባሂሎም ዝስገሩ አርእስታት: ጽባሕ ዓቢ ዕንወትን ኣደራዕን ኣብ ክንወጾ ዘይንክእል ሽግር ክኸቱና ተኽእሎ ከምዘለዎም ክንዝግዕ ኣይግባእን። ስለዚ ናይ ሎሚ ክንሰግር ክንብል ናይ ጽባሕ ከይነባላሹ ክንጥንቀቅ ይግባእ። ትማሊ ክስገሩ ዘይግብኦም ነገራት ምእንቲ ንጽነት ተባሂሎም ከምዝተስግሩን ከምዝተጎሰዩን: ሎሚ እቶም ሕቶታት እቲኦም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣደራዕ ሽሚሞምና ከምዘለውን ህያው አብነት ዘለዎ ቅሉዕ ነገር ኢዩ።

ናይ ሎሚ ኣተኩሮና እምብኣር እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ብቀጻሊ ክወርድ ዝጽንሐ በደል እዩ። እዚ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ልቢ ብምዕባይን፡ ደፋእ ኢልና: ብዘተን ልዝብን ድማ ክንፈትሖ ኣብ ዝተፈላልየ መድረኻት ፈቲንና ኢና። እንተኾነ ነዚ ተበግሶ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ብቀጻሊ ኣብዚ ማሕበር ዝዓለመ ዘመተን ጸለመን ክግበር ጸኒሑን ኣሎን። ሓደ ካብቲ ዝገርም እዚ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ኩሉ እቲ ሕጋዊ ቅጥዕታት ኣማሊኡ ክንሱ ብስንኪ ገለ ገለ ባእታታት ተሳትፍኡ ተቐባልነት ከይረክብ ምትሕንዃላት ጸኒሑን ኣሎን። ንካልእ ዝርዝራቱ  ኣብ ካልእ መድረኸ ብዝርዝር ክቀርብ ኢዩ። ብሓፈሻ ግን: እዚ አካይዳ ሎሚ ኣገዳሲ መኣረምታን ገምጋምን  ምስዘይግበረሉ ውዒሉ ሓዲሩ ሓደጋ ክህልዎ ግድን ኢዩ። ሰናይ ድልየት እንተሎ: ንምእራሙ ሕጂ'ውን ማይ አይሓለፎን::  እዚ ኩሉ አዕናዊ ስራሕ አብ ልዕለኡ  እናተፈጸመ ግን: እቲ ወግዓውን ሕጋውን ጥርናፈ ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት: ብፍላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ: ብሕጊ ተመዝጊቡ ዓቕሙ ጸንቂቑ ሕቶ ህዝቢ ክምልሽ ይረባረብ ኣሎ። ነዚ ድማ ሞሳን ምስጋናን ዘይንደልየሉ ግቡእና ገይርና ንርእዮ:: 

ዲሞክራስያውነት በተሓሳስባን ብግብርን ኢዩ። ዲሞክራስያውነት ስለዝጽሓፍካን ብኣፍካ ጸፈፍ ስለዝበልካን ኣይኮነን። ሕመረት ቃልስና ሕቶ ዲሞክራሲ ክንምልስ ኢዩ: እምነ ኩርናዕ ዲሞክራስያውነት ድማ ምርግጋጽ ተሳትፎ ህዝቢ ኢዩ። ነዚ ድማ ብዘይ ምውልዋል ክንሰርሕ ይግባእ። ህዝባውነት ከኣ ካልእ መተካእታ ዘይብሉ ርእሰ ሞጎት ዕላማና ኢዩ። ከምቲ ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ዘይስተ፡ እቲ ብገለ ገለ ውልቀ ሰባት ብዘለዎም ባይታ ተጠቂሞም ናይ ፖለቲካ ርእስማል ክድልቡ ጸረ-ዲሞክራሲ ዕዮታት ክገብሩ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። እዚ ድማ ብኣግኡ ኩሉ ደላይ ለውጢ ክነቅሓሉ ዘለዎ፡ ንምፍዋሱ ፍት ንፊት ክገጥሞ ንጽውዕ።  ‘ብሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ’፡ ‘ሕከኸኒ ኽሓከካ’ ፖለቲካዊ ባይታ ንምብሓት ዝግበር ምትእስሳር ጽባሕ ሓደጋ ኣለዎ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ኣስሚሩን ንዝምልከቶ ኣካላት ስምዕትኡ ኣሕሊፍ ኢዩ። ብኣግኡ መድሃኒት ክገብረሉ ከኣ ይጽውዕ። ካብዚ ሓሊፉ ብጉልባብ ዲሞክራሲ ብስም ህዝቢ ተኸዊልካ ዝግበር ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ውዒሉ ሓዲሩ ፍሹል ኢዩ። እቲ ኩሉ ኣብዚ ለውጢ ይዕበ ይንኣስ እጃሙ ዘበርክት ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክግንዘቦ ዘለዎ ሓደ ነገር እንተሎ ንነብሱ ከም ናይ ለውጢ ኣሳላጢ ድኣምበር: ከምቲ ናይ ትማሊ ጌጋ: "ስለዝተቓለኩ" ብዝብል ልዕሊ ዝኮነ ኤርትራዊ ሓለፋ ከምዘይብሉ ክርዳእ የድሊ። ብዓል ቤት: ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ህዝቢ ጥራይ ኢዩ።  ነዚ ጎሲኻ: ሎሚ ጸረ ምልኪ ስለዝተቓለስካ መተካእታ ህግደፍ ክትከውን ምሕላም ግን: ንሓፋሽ "ኣታ ትማሊ ጾምካ ዝሓደርካ: ሎሚ’ውን ከምቀደምካ" ከም ምባል ’ዩ ክኸውን። እዚ ድማ ህልም ዝበለ ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ኣካይዳ ኢዩ። ነዚ ድማ ከም ወትሩ ክንቃለሶ ምዃንና ኩሉ ደላይ ለውጢ ክፈልጥ ይግባእ።

ንዝኾነ ኣንጻርና ዝወጣወጥ ኣባትር ድማ ህዝብና ደጀንና ብምግባር ካብቲ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ዕላማ ስድሪ’ውን ትኹን ፈልከት ከይበልና: ብፊት ንፊት ክምክቶ ምዃንና ጥርጥር የብልናን። ዕላማና ሕቶ ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ክንህብ ድኣምበር ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓሊፍና ውሳኔታት ክንገብር፡ ህዝቢ ውክልና ዘየሰከምና ክነሱ ብፍቓድና ወከልቱ ክንከውን ኣይኮነን።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሉ ደላይ ለውጢ መንእሰይ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ህዝባዊ መስመር ክይወጸ ኣንጻር ኩሉ ዘይዲሞክራስያውን ዘይፍትሓውን ኣካይዳታት ደው ክብል፡ ብስሙ ኽሽቅጡ ዝደልዩ ሓይልታትን ባእታታትን ብምስትውዓል ክርእዮም የድሊ። ድሕሪ ደጊም መንእሰይ ኤርትራ ሕዛእቲ ዝኮነ ይኹን ሓይሊ ዝኾነሉ ምኽንያት የልቦን። ቀላስን ደራኽን ኮይኑ እቲ ቃልሲ ከዕውቶ ምዃኑ ድማ ብተመልከተለይ ብግብሪ የመስክር አሎ።

ሓርነትና ናይ ግድን ዩ !!!

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

ሕዳር 8, 2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,914,833 وقت التحميل: 0.23 ثانية