Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ኮምሽን መድረ&#479
أخبار

The ER NCDC Octo 2011.jpg

ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ኮምሽን መድረኽ ልዝብን ዘተን ኣዳልዩ

 “መፍትሒ ጸገማትና ልዝብን ዘተን እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘዳልዎ ኣኬባ ብ30 ጥቅምቲ 2011 ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ተካይዱ፡፡ አብዚ ዘተ ኣባላት መሪሕነታት ናይ ዕስራን ሰለስተን ፖሎቲካዊ ውድባትን ሸሞንተ ካብ ኣባላት በርጌሳዊ ማሕበራትን ከምዝተሳተፉን ዕውት መድረኽ ልዝብን ዘተን ምንባሩን ካብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓው እምሃ ደመኒኮ ነቲ መድረኽ ክኸፍት ከሎ፡ ክህልውና ዝኽእሉ ጸገማት ንምፍታሕን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን መድረኽ ልዝብን ዘተን ኣገዳሲ ረቋሒታት ምዃኑ  ብድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ኮምሽን ከፊትዎ ዘሎ ናይ ዘተ መድርኸ ሓደ ካብቲ ቅድመ ምድላው ክወሰድ ከም ዝግባእ ኣረዲኡ። ብተወሳኺ’ውን ዕላማ ናይዚ መድረኽ’ዚ መላእ ተሻረኽቲ ሃገራዊ ጉባኤ ነዚ ረዚንን ታሪኻውን ዕማም’ዚ ንምዕዋት ክጻወትዎ ዝግባእ ኣገዳሲ ተራ ንምድህሳስ ምዃኑ ኣብሪሁ።   

ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ፡

1.   ትዕዝብቲ ኣብ ቅድመ ሃገራዊ ጉባኤ ንዘሎ ምድህሳስ

2.   ትጽቢትና ካብ ሃገራዊ ጉባኤ

3.   ራእይና ተራ ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ

4.   ራእይና ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝምዘዝ ኣካል

5.   ርእይቶና ብዛዓባ ተሳትፎን ተራን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ

6.   ድሕረ ሃገራዊ ጉባኤ ትጽቢትናን ተራ ተቓውሞ

7.   ዝምድና ፖሎቲካዊ ወድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኩሎም ስብ ብርክን

  ENCDC Commission 1.jpg

ተሳተፍቲ ነቲ መድረኽ ልዝብን ዘተን ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ምድላዉን፡ ኤርትራዊ ብኤርትራዊ ናይ ዘተ መድረኽ ሙካኑ ብጣዕሚ ክተባባዕ ዝግብኦ ባህሊ ምዃኑን፡ ንቲ ዘተ መድረኽ ንዘዳለወ ፈጻሚ ኣካል ናእድኦም ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ክቅጽል ከም ዘለዎ ገለጹ። ነዚ ሃገራዊ ጉባኤ’ዚ ንምዕዋት ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ልዝብን ዘተን ኩሉ-መዳያዊ መንፈሳውን ስነ-ኣእምራውን ምድላው ብምግባር ተሳትፎ መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረድኡ። ሓድነት ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምርግጋጽ ከኣ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ብርሰት ንምድሓን ንስርዓት ህግደፍ ምውጋድ መድረኻዊ ዕማም ምዃኑ ተረዳድኡ። ስለዝኾነ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ገዚፍ ዕማም ብምዕዋት፡ ድሌታት ህዝብና ንምምላእን ሰናይ ባህግታትና ንምርዋይን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቓራና መገዲ ብዓወት ንኸንስግሮ ፡ ብኩሉ ዓቕምታትና ክንሰርሕ ታሪኻዊ ሓላፍነትና የገድደና ክብሉ ኣረጋገጹ።

ENCDC Commission2.jpg

ፖሎቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ክልቲኦም ኣካላት ዕላማታቶም ኣብ ኤርትራ ተግባራዊ ከይገብሩ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣገዱ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ከም ዘለዎም ብምስትውዓል፡ ነዚ ጸላኢ’ዚ ንምእላይ ከኣ ሃገራዊ ጉባኤ ብምዕዋት ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓደ ባቡር ቃልሲ ክጓዓዙ ዘለዎ ተዳላይነት ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ በጽሑ። ገለ ካብተሳተፍቲ ንትጽቢታቶም ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ብዝተፍላልይ መልክዕ ገሊጾሞም፡  ገለ ካባአቶም ከኣ፡-

1.   ንህልው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ድልይት ህዝቢን ሕቶ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታትን ኣብ ግምት ዘኣትወን፡ ሕቶ ሓድነትን ዘመለሰ እንትኮይኑ

2.   ሓደ ንጽርን ንኩሉ ዝእኽብን ፖሎቲካዊ ቻርተር ኣጽዲቑ ምስ ዝወጽእ

3.   ኣገዳሲ ሓባራዊ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን፡  ኩሉ ዝምእዘዘሉ ሕገ-ህንጻ ሒዙ ምስ ዝወጽእን

4.   ብዕግበትን ምርድዳእን ሓደ ሓባራዊ መሪሕነትን፡ ሓደ ጽላል (ግንባር) ሒዙ ምስ ዝወጽእ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ብፈጻሚ ኣካል ኮምሽን ዝተዳለወ መድረኽ ልዝብን ዘተን ንልዕሊ ሸዋዓተ ሰዓት ዝወሰደ ሃገራዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ሓላፍነትን ክመያየጥ ምውዓሉ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ልዝብን ዘተን ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዘለዎ ረቋሒታት ብምርዳእ፡ ነቲ ብፈጻሚ ኣካል ኮምሽን ዝተወሰደ ኣውንታዊ ተበግሶ ንምቅጻልን ነዚ ኣገዳሲ ዕማም’ዚ ብዓሚቕን ዕቱብን መንገዲ ንምፍጻምን ኣኼበኛታት ኣብዚቀልጠፈ እዋን ካብ መላእ ተሳተፍቲ ዘተ ኮሚቴ ልዝብን ዘተን ንምምዛዝ ንአርባዓተ ኣሕዋት ሓላፍነት ኣሰኪሙ እቲ ኣኼባ ብዓወት ምዝዝሙ ካብቲ ኣዳራሽ ዝመጸና ሓበሬታ ገሊጹ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!! 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

31 ጥቅምቲ 2011

WWW.ENCDC.COM

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,281,660 وقت التحميل: 0.20 ثانية