Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ዘዓ&#46

 ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ዘዓለመ መንገዲ ህግደፋዊያን!!

ብ ሃይለ ፋረዝጊ

ህግደፋ ዝባሃሉ ሽፋቱ ሒደት ቁጽሮም ብህዝቢ ኤርትራ ዘሽካዓሉሉ ዘሎው፣ በል ረኤ ,ህዝቢ ኤረትራ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነቦሩ ጀጋኑ ደቅኻ ብዘይ ሕጊ

ዝጠፉኡ ቁጽሮም ውሑዳት አይኮነን ህዝቢ ኤርትራ ግን በኽዩ እዩ ትም ኢሉ መሕተቲ ቦታ ወይ ሕጊ ሲኢኑ ትም ኢሉ እዩ ተቀቢሉዎም ዘሎ ግን ጀጋኑ ኤርትራዊያን ሐንቲ አብ ልቦም ናጽነት ኤርትራ ትብል እያ ነራ አብ ልቦም ወይ ዒላማኦም ከምታ ዘሐሶቡዋ ውን ብጅግንነቶም ናጽነት ኤርትራ ጨበጡዋ ህዝቢ ኤረትራ ውን ብሐጎስ ተቀቦሎም ህዝቢ ኤርትራ ብዝተረፉ ደቁ ሐቲቱ እዩ ግን መልሱ ንህዝቢ ኤርትራ ኽሞጹ እዮም ብዝብል ሐሳዊ ዝኾነ ዘረባ ተስፋ ሂቡዎም ነይሩ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ውን ብተስፋ እጽበ ነበረ ዕለት ትጽቢቶም ውን መጸት ዝተረፋ ውድባት ንሐቢርካ ሃገርካ ንምህናጽ ብዝብል ውን ጪርሖ ብሙሉእ ሐጎሰን ተስፋን ተቀቢሎም ንአርያፖርት ሱዳን ገጾም ኩሉ ዘሎዎም ሒዞም ነቲ  መጸዋዓታ ዝተገብሮሎም ዕድሜ አኽቢሮም አብ አርያፖርት ኮሎው ሐሳዊ በዓል ዕላማ መጽነት ህዝቢ ኤረትራ ዝኾነ መልሱ አይፊቅድን እየ ዝብል ሰደደ፤ንሱዳን ካብቲ ዘገርም ድማ ርሑሩሕ ህዝቢ ኤርትራ ዶቁ ዝተረፉ ኽቅበል ካብ ሰንበል ኽሳብ መዕርፎ ነፋርቲ አስመራ ተሰሪዑ ዝጽበ ዝነበረ፤ ተሪፉ እዩ ኢሎም፤ ነገሩዎ እሞ ልቡ ኩምትር ኢሉ ውን ንገዞኦም ተመልሱ እዚአ እቲአ ቀዳመይቲ ጥልመት ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ እያ ነይራ አብ ዶሮ ናጽነት ዝተገብረት አብ ሙሉእ ህዝቢ ኤረትራ ዞሎዎ እዞም ሐሶውቲ፤ ብዘካ እቲ ቡሑቡእ ዝካይድዋ ዝነበረ አብ ሜዳ ኤርትራ ምእንቲ እቲ ሕማቅ ዕላማኦም ንምቅጻል አብ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዞሎዎ ምእታው ተቔውምቲ ውድባት ዝኽልከለ ሰላም ካይሰፈን አብ ሃገርና ኤርትራ ንምቅጻል ምጽናት ህዝቢ እዩ ነይሩ ቀንዲ ዕላማ ናቶም እሱ ውን ኩሉ ንርእዮ ንሰምዖ አሎና እናኸፋኤ አብ ዓለም ተገሩ ዘይፋልጥ እዩ ዝኽይድ ዞሎ ስለዚ እዝኦም ሰባት ንዕቀት ኤረትራዊያን ካብ ቀደም ነይሩዎም ወይ ምጽናት ኤርትራዊያን ሎሚ ሕሰብ ክተቡሎ ኮሎኻ እቲ ሐቂ ጎሊሑ እርኤ አሎ ብኹሉ እሞ ንመርሙሮ አሕዋት አሐት ኤርትራዊያን እቲ ነገር ዝሐለፋ ኩሉ ጽሒፋካ ዝውዳእ አይኮነን ስለዚ ኹብራት አሕዋትን አሐትን እስከ ንርአዮ ሐቢርና ኮፋ ኢልና ምጽናት ኤርትራዊያን ነይሩ ወይ አነበረን እስከ ንሕሰብ ንመርምር፤ ህዝቢ ኤረትራ፤እበኪ አሎ ደቁ እኢሶሩ አብ ቃሕ ዝቦሎም ውግእ አትዮም ብኮንቶ እጠፉኡ አሎው ወረ ሕጅስ ገዲዱ ዘእትዎም ጠፈኡዎም አክንዲ ውግእ ጠጦው ዝበለ እነውለ አብ ጽርግያን ላዓሊን ታሕትን ክብሉ ተዋሪዶም አክንዲ ስድራኦም ዝርእዩ ወይ ትምህርት ዝማሃሩ ገዛውት ጀነራላት ከሙኡ ገዛውቲ ናይ መንግስቲ እናቦሉ ንዘይ ውዳእ ዕድሜ ሜንእሰያት ትምህርቲ ዘይቡሎም ካብ ዎሎዶም ተፋልዮም ዶሞዝ ዘይቡሎም ጽቡቅ መግቢ እንተ ዝዋሃቦም,ከ ከምታ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረት ወዲዓከር እዮም ዝሙገቡ በቲ ሐደ ወገን ዘሎው ድማ መንእሰይ ወያነ ካይመጽና እናቦሉ እነሆ ካብ 1997 ኽሳብ 2011 ኮይኑ እዝኦም ውን ብሐሶት ዕግርግር ካይፋጥሩሎም ዝገቡሩዎ ፈጠረ ወይ ስልቲ እዮም ዝጥቆሙሎም ዘሎው እሞ ብዘይ ዶሞዝ ሕጅስ ወረ አኺሉ ምስተረፎም ግሊኦም እርሽኑዎም ገሊኦም ድማ የአስሩዎም ንስደት የምሩሑ ገሊኦም ድማ አብ ዘይፊለጥ ጎዳጉድ እስሪቤት ሶቦም ከምዘይሪኢዎም ገሮም አብ ዓቢ ስቃይ እርከቡ አሎው ሞት ዘይትመጸና እናቦሉ ጾሎት ዝገቡሩ ዞሎው እዮም እቶም ዕድል ገሮም ንኢትዮጲያ ገጾም ዝኽዱ አብ አሕዋቶም ክምዝአቶው እዮም እቶም ንሱዳን ገጾም ዝኾዱ መንኢሰያት ግን አብ ሕማቅ ኩነታት እርከቡ አሎው ኽትገልጾ ብሐቂ ስቃይ ዝኾነ ናብራ እዩ ዘሕልፉዎ ዞሎው ደቅና መንእሰያት አዋልድና መጻወቲት ናይ ህግደፋ ሐለፊቲ ነይራን ምስተሸገራ ንሱዳን ገጻን ሃጽ ይብላ መሳኺኖት መንእሰያት አዋልድና እሕሸኒ ዝቦሎኦ ብዝኾነ ሐላፊ መንገዲ ይድፋራ አሎዋ ከሙኡ መንኢሰያት ደቅና ውን ደቂ ተባዕትዮ አብ ሱዳን ከምተን አሐቶም አብ ሕማቅ እርከቡ አሎው እንታይ እሞ ኽትዛሮቦ ዘሕፋር እዩ መንእሰይ ረኺቡዎ ዞሎ  እዚ ኽብል ኮሎኹ ብዘካ እቶም ክም በጊዕ ብጥይት ህግደፋ እሃድሙ አሎው ተባሂሎም ዝቅተሉ እቲ ዕድል ገሩ ካብኦም ዝወጸ ዕድል ገሬ እናበለ ኾሎ ዝኸፋኡ ሸፋቱ እረኽቡዎም እሞ አብ ዘይፋለጥ ቦታ ወሲዶም ከም ጠለበግዕ መርፋእ መደንዘዚ ወጊኦም ዘድሊዮዎ (organ) ከም ኩሊት ወዘተ ዘአመሰለ ወሲዶም ካይቀቦሩ እድርቡዩዎም እዚ ዝገቡሩ ሰባት ድማ ሱዳናዊያን ራሻይዳ ኤረትራዊያን እዮም ቅድሚ ሕጅ ውን ተጻሒፉ ነይሩ እዩ መሐውሮም ናይ ዞም ሰባት ድማ ነዊሕ እዩ ካብ አስመራ ክሳብ ሲና ሑዱዱ ምሲሪ እስራኤል አብ ሙሉእ ዓዲ ዓረብ እዮም ዘሎው ስለዚ ክብረት ኤርትራዊያን ብሰንኪ ህግደፋዊያን ካብ ሰብ ንታሕቲ ኮይና አሎና  ሚዛና አብ ዓለም በዞም ሐሶውቲ፤ ከም ማል ጓሳ ዘይብለን ካብ ኮና ቦሉ ሕጅ ደጋጊሜ ዝብላ ንስመር ብዘይ ሐድነትና ሐንቲ ኽንገብር አይንኽእልን ኢና ህግደፋ ውን ፋሕ ናትና ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኽሳብ ሕጅ እጻውቱሉ አሎው ምስ ደቁ ሕጅ ውን ህግደፋዊያ ንፋሕ ዱሉዋት አሎው ምኻድ ምኻዱ ብዝብል ዕላማ ሕጅ ዝመጽእ ሽግር ቡዙሕ አሎ ንስመር ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ አሎና ካብ ዓበይቲ አቦታትናን አሕዋትናን  ዝወረስናዮ ካብዚ ንርእዮን ንሰሙዕን ዞሎና ዝኽፋእ ዮሎን እም ይአኽለና ንበል ምስ ህግደፋ ዝኾዱ አሕዋትና ድሕሪ ሕጂ ዓቢ ሕማቅ ታሪኽ አብ ኤርትራ ዝገድፉ  ጥራይ እዮም ህዝቢ ኤርትራ ውን ዓይኑ ጸቂጡ ኽሕሉፎኩም አይኮነን ምኽኒት ሐሶት ዮሎን በዚ ዞሎ ቶክኖሎጅ ጽባሕ ንግሆ ጸሐይ ምስበረቀት አብ ኤርትራ ምኽኒት ዝቅበል አይኩሁሉን እዩ ሐቂ ኽትመጽእ እያ ደም ጀጋኑ ስውአት አሕዋትና ብኮንቶ አይክጠፊእን እዩ ካብ ቶም ዓበይቲ አሕዋቶም ዘሕለፉዎ ብዝኼፋኤ  ነቶም ዕምባባ ሃገር ተቀበልቲ ሕድሪ ኽፊኡዎም አሎ ኩሉ ውን እፋልጥ እዩ ከመይ ነሩ ዝብል ዓሻ ጥራይ እዩ በዚ፤ ሎሚ ንሰራዓ ምእንቲ እዞም ዕባባ ሃገር ምእንቲ እዝአ ሃገርና ሐቢርና ብሐንሳብ ኽንሕጎሰላ ክንስሕቀላ ምስ ኩሎም ስድራና አብዛ ለምለም ሃገርና ድሕሪ ሕጅ ብሰበይ ሰብካ አብ ኤርትራ አይኩሁሉን እዩ ናጽነት ንኤረትራዊያን አብ ዓቢ ሐዘን መሊሱና አሎ እሞ ሕድሪ ዓበይቲ ጀጋኑ አሕዋትና ኮንቶ አይክተርፈን እዩ ዓስቢ ጀጋኑና ሐጎስ ኤርትራዊያን ብሐባር ቀልጢፋና ኽንረክብ ብሐሶት ሐው ንሐው ሐፋቲ ምስ ሐፋቲ ስድራ ፋሕ ሐዳሮም ሐሶውቲ ብዘካ ሐሶት ሐቂ ዘይፋትው ሕማም ዛሪቲ ዞሎውም ካብዝኦም ናጻ ኽወጽእ ክቡር ህዝብና አብ ሐደ ንሰራዓ ንስመር ፋውሲ ክንድሕን ምእንታን ንስመር ኢድንኢድ ንታሐሐዝ አስላማይና ክስታና ምስ ኩለን ቢሄራትና ሰላም ኽኽውን አብ ሃገርና እስሪቤት ዘይብላ ሃገር ኽትኸውን ሃገርና ኤርትራ ቖልዓ ዘይበኸየላ ወለዲ ዝሕጎሱላ ሰላም ምስኩሉ ጎሮቤት ሃገራት ዝሰፈና ሃገርና ኤርትራ ሃብታም ሃገር ክነተግብራ

ዓወት ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሙሉእ ደላይ ለውጢ!!

ዓወት ንመንእሰይ ተቀባል ሕድሪ ኤርትራ!!

ውድቀት ንህግደፋዊያን ምስ ዎይጦቶም!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሱውአትና!!

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,913,101 وقت التحميل: 0.41 ثانية