ይሕደጋ ብርሃነ ኤረትራዊት ዋዕሮ
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ይሕደጋ ብርሃነ
(ተቀበሊ ናይ ደለይቲ ለውጢ ዕንበባ)
ይሕደጋ ኤረትራዊት ዋዕሮ
ክንነብር ኢና ትብዓትኪ ክንዝክሮ
ይሕደጋ በላሕ ኣእምሮ
ኣብ ፍትሓዊት ኤረትራ ነርዋ ትነግሮ።
ስውኣትና ንይሕደጋ ተቀበልዋ
ሕተትዋ ብዙሕ ዝንገር ኣልርዋ
ኣተግቢራያ ናይ ሰማእታትና ለበዋ
ምሕድራ ህግደፍ ተዓዚባ ኣስደሚምዋ
ባርነት ዋርሳይ ገሪምዋ
ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ናይ ሳዋ
ኣይተዓሸወትን ከምተን ዝተዓሸዋ
ይሕደጋ ታሪኽ ሓዲጋ ሓሊፋ ኣምላኽ ሓርይዋ።
ኣውያት ውጹዓት ኣስሚዓ
ራኢ ነርዋ እታ ዋዕሮ ቆልዓ
ወጽዓ መንእሰያት ርእያ ነቢዓ
ኣብ ቡሩሰል በርሊን ፍራንክፎት ንህግደፍ ኣቃሊዓ
ምስ ኣቦታት ምስ ኣደታታ ኣያታታ ተሰሪዓ
ዓው ኢላ ወጽዓ ህዝቢ ኣስሚዓ።
ይሕደጋ ናዓናሞ ጎዲልክና
ዋዕሮ ጓል ኤረና
ኣብ ደሞክራስያዊት ኤረትራና
ኣብ መቃብርኪ ዕንበባ ከነንብር ኢና
ስውእቲ ጓልና መቃልስትና
ጽንዓት ንስድራኺ እንዳ ተመነና
ኤረትራዊያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ መላእ ዓለም ዘለና
ዓበይትና ናእሽቱና
መንግስተሰማይ የዋርስኪ እንዳ በልና
በዛ ግጥሚ ንፋነወኪ ኣለና።
ዓወት ንህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና
ዕንወት ነቶም ዝጨወዩ ነጻነትና።
|