Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ አዋጅ
أخبار

Red Sea Afar democratic organization.jpg

ደምዳሚ አዋጅ

3ይ ውድባዊ ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

20-10-2011

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

  ካብ ዕለት 18-20 ጥቅምቲ 2011 ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ለበዋታትን ብምሕላፍ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ፡ አብ ዝሓለፉ መድረኽ ዝተሰላሰሉ ስራሓት ካብ ፈጸምቲ ቤት-ጽሕፈታት ዝቐረበሉ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ እቲ አብ ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን ፖሎቲካዊን ማሕበራውን መደያት ዝተሰላሰሉ ክሰላሰሉ ዘይከአሉን ጉዳያት አልዒሉ ብዑቱብ ድሕሪ ምክታዕ እቶም ክትግበሩ ዘይከአሉ ብህጹጽ ተግባራዊ ከይከውን ዝዓንቀፉ ጉዳያት ለሊኻ ክሰላሰሉ ተሰማሚዑ፡

አብ ፖሎቲካዊ መዳይ ብዝምልከት

ኤርትራ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ፖሎቲካዊያን ተቓወምቲ ሓይልታት ቦታ ከምዘይብለን ብወግዒ ብልሳን ርእሲ ናይቲ ስርዓት ከምዝተአወጀ ዝዝከር ኮይኑ፡ ስርዓት ኩርሲ አብ ዝሓዘሉ እዋን ነዚ ክእውጅ ዝኸአለ፡ ሑቡኣት አጀንዳታት አብ ዝነወሐ እዋን ከተግብር ስለዝደለየ ኮይኑ ካብ ብርሃን ተኸዊልካ ዝደለኻዮ ምግባር ዝብል እስትራተጂካዊ ፖሊሲ ዝሓዘ ሰርዓት ንኽትገጥም ፖሎቲካዊ ሕቶኻ አጠናኺርካ ቃልስኻ ምቕጻል ኩዉን ምኻኑ ድሕሪ ምግምጋም ካብ አብዚ መዳይ›ዚ ብዝምልከት ፖሎቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ቁኑዑን ዲሞክራስያዊ ሕቶን ምኻኑ ድሕሪ ምርግጋጽ አብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳኔ አብ ክሊ ሃገረ ኤርትራ ንመጀመርያ ከምምኻኑ፡ ምስ ገለ ገለ ፖሎቲካዊያን ሓይልታት አብ ፈለማ ዘይምርድዳእን ምፍሕፋሕን ከምዝነበረ ጠቒሱ፡ አብዚ እዋን›ዚ መብዛሕተኤን አብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከባ ፖለቲካዊያን ሓይልታት ነዚ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ክሰግረኦ ከምዘይክእላ ድሕሪ ምእማን ነዊሕ ዓመታት ዝኸደ ፖሎቲካዊ ምርድዳእ ክረጋገጽ ከምዝኸአለ አስሚርሉ፡  

አብ ወታሃደራዊ መዳያ ብዝምልከት

ወታሃደራዊ ትካል ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንምጥንኻር ዝተወስደ ሰጉምትታት ከምቲ ዝድለ›ካ እንተዘይከደ ንፖሎቲካዊ ጠለባት ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ ምንጽብራቅ ግን ከም ዝሰረሐ ገምጊሙ፡ አሃዱታት ተቃለስቲና አብ ልዕሊ ጸላዒ ዘካየድዎ 40 ዓይነታዊን መጥቃዕትታት አብ ልዕሊ ጸላዒ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከውርዱ ከለዉ አብ አባላት ሰለያዊ መሓውራቱ አሃዱታቱን ድማ ሞራላዊ ድኽመት ከምዘስዓበ ድሕሪ ምግምጋም፡ ዝያዳ ተጠናኺሩ ዘመናዊ ስልትታት ዝጥቀመሉ አገባብ ከናዲ አብቲ አጋጣሚ ለበዋ ቐሪቡ፡ ድሕሪ›ዚ አብ ዝሓለፈ እዋን ብዘይካ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ሓባራዊ መጥቃዕትታት ምስተን ካልኦት ወታሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ሓይልታት ሓባራዊ ሰራሓት ክስራሕ ብዘይምኽአሉ እንታይ ምኻኑ ድሕሪ ምግምጋም፡ ጸኑዕ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ትካል ክህሉ ግድን ምኻኑ አስሚርሉ፡ ጠቕላሊ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ አብ ጉባኤኡ ነዚ መዳይ›ዚ ብዑቱብ ሪኡ ውሕስነት ዘለዎ ወተሃደራዊ ትካል ከቕውም ጸዊዑ፡፡

አብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ብዝምልከት

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ ፈለማ ምስረታ ካብ ዝወሰኖም ቀንዲ መዳያት ዲፖሎማስያዊ መዳይ ኮይኑ፡ ምስ ኩለን ማሕበራትን ፖሎቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራን መሻርኽቲ ሃገራትን አብ ክልቲአዊ ረብሓታት ዝተሞርኮሰ ዲፖሎማስያዊ ዝምድና ክህሉ ዝያዳ ከምዝጻዓረ ገምጊሙ፡ ዝያዳ ዓቕሚ አባላቱ አጠናኺሩ ክስጉም ተላብዩ፡፡

አብ ቁጠባዊ መዳይ ብዝምልከት 

አብዚ መዳይ›ዚ ብዝገበሮ ነዊሕ ክትዕ አብዚ ነዊሕ ዝጠመተ ብክኢላዊያን ዓቕምታት ተጸኒዑ መፍትሒ ክናደየሉ ተጋበእቲ ብሓባር ተሰማሚዖም፡ ውድብ ንስርሑን ንንጥፈታቱን ዘድልይዎ ዝሸፈነ ሓፋሽ ህዝቢ ዓፋር ልዑል ምስጋንኡ አቕሪቡ፡ ሓገዛቱ ክቕጽል ዳግም ጸዊዑ፡፡ መሻርኽቲ ሃገራት ነቲ ዉሱን ዘቕርብዎ ዘለዉ ሓገዞም ምስጋንኡ›ውን አቕሪቡ፡፡

አብ ጉዳይ ዉሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ እዚ ዘለናዮ እዋን ከምቶም ካልኦት አህዛብ ተሓጊሱ ይነብር ከምዘየሎ፡ ዝያዳ ካብ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፈኤ ይሰጋገር ከምዘሎ ገምጊሙ፡ ቁጠባዊ ኩነታት ህዝቢ አብ ዝኸፈኤ ከምዝርከብን ስድራቤታት ናብ ዝኸፈኤ ድኽነት ይቃላዓ ከምዘለዋ ሪኡ፡፡ መንእሰያትን ሰድራቤታትን ጥምየትን ዘይምርግጋእን ብዘኸተሎ ሳዕቤናት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግምጋም፡ ሰርዓት ህግደፍ ነቲ ክኸተሎ ዝጸነሐ ፖሊሲኡ ይቕጽሎን ወታሀደራዊ ዕስክርና ከምዘየቓረጸን ህዝቢ ግዳያት ጦርነት ክገብሮ ይሽባሸብ ከምዘሎ ገምጊሙ፡፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት፡ ካብቲ ቀንዲ አታዊ ምንጩ ዝኾነ ምህርቲ ዓሳን ካልኦት ንግዳዊ ንጥፈታት ተሓሪሙ፡ ህላዌኡ አብ ከባቢ ባሕሪ አዝዩ አሰካፊ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ድሕሪ ምግጋም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ አንጻር ስርዓት ኢሰያስን ሰዓብቱን ክልዓል ጸዊዑ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም አብ ሊብያን ግብጽን ዘለዉ ህዝብታት ብቑጽሪ ይንእስ ይኸውን ብዓቅሚ ስራሕ ግን ይንእስ ይኸውን ዝብል እምነት የብልናን፡ ህዝብታት እንተተላዒሎም ጸገማቶም ባዕላቶም ክአልዩ ከምዝኽእሉ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናይ ሑስኒ ሙባረክን ናይ በዓል ቐዛፍን እኹል መርትዖ ኢዩ፡፡ ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰላን መጻኢ ወለዶ ቀሲኑ ዝሓደረላ ሃገር ንደሊ እነተኾይና ስርዓት ኢስያስን ትካላቱን ምእላይ ቀንዲ ዉራይ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ጉባኤኛታት ጸዊዖም፡፡

ድሕሪ›ዚ መጻኢ መደባቱ ድሕሪ ምስራዕ፡ 37 ዝአባላታ ማእከላይ ኮሚቴን አቶ ኢብራሂም ሃሮን አቦ-ወንበራ 11ዝአባላታ ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ድሕሪ ምምራጽ እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምሕላፍ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሙ፡- 

1- መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ወሳኒ መሰል ከምምኻኑ እዚ ምስዝረጋገጽ ሓድነት ሃገርና ኤርትራ ክድሕን ከምዝኽእል አረጋጊጹ፡፡

2- አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝወርድ ዘሎ ዘርኢ ናይ ምጽናት ፖሊሲ ምስ ዝተፈላለያ ሰብኣዊያን ማሕበራት ኮይኑ ክሰርሕ እስትራተጂ ክንደፍ ጸዊዑ፡፡

3- ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን ፖሎቲካዊን ሓይሊ ክጠናኸር ጸዊዑ፡፡

4- ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከምቲ መንነቱ ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ አጠናኺሩ ክቕጽሎ ጉባኤ ጸዊዑ፡፡

5- መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ብመኻን አብ ኤርትራ ዘሎ ህልዉ ፖሎቲካዊ ስእሊ ቀይሮም ዲሞክራስያዊ ኤርትራ ኩሉ ብኻባር ዝነብረላ ሃገር ክትምስረት ጉባኤ ጸዊዑ፡፡

6- ሃገራዊ ኮሚሽን ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ በጺሕዎ ዘሎ ፖሎቲካዊ መስርሕ አመስጊኑ፡ ጠቕላሊ ሃገራዊ ጉባኤ ንመዕዋት ውድብ ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብኡ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ንምግባር ቁሩብ ምኻኑ አረጋጊጹ፡ ካብቲ ጉባኤ ዝወጽእ ሃገራዊ ባይቶ ድልየታት ህዝቢ ኤርትራ ዘማልእ ክኸውን ዘለዎ ተሰፋ ገሊጹ፡፡

ዓወት ንህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

ዓወት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ

20 ጥቅምቲ 2011ዓ.ም

3ይ ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,292,664 وقت التحميل: 0.20 ثانية