Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጋዜጣዊ መግለጺ ብጒዳይ ምቛም ኣወ&#461
أخبار

ጋዜጣዊ መግለጺ ብጒዳይ ምቛም ኣወሃሃዲ

ሽማግለ ምትእስሳር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት

13.10.2011   

ካብ መጀመርያ ወርሓት 2011 ጀሚሮም ርክብ ከካዝዱ ዝጸንሑ እተፈላለዩ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ: ብ9 ጥቅምቲ 2011 “ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣካል ኣቚሞም ዘሎዉ። ናይዚ ህዝባዊ ምትእስሳር/network/ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማታትን ዘነጽር መወከሲ ሰነድ እውን ጸዲቑ።   

እቲ ሰነድ ከም ዘነጽሮ፡ ቆይሙ ዘሎ ኣካል፡ ኣብ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ሰላማውን  ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ናይ ዝኣምኑ ፓለቲካውን በርገሳውን ሓይልታትን ውልቀሰባትን ጥርናፈ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከረጋገጽን፡ ስርዓተ ሕጊ ዝገዝኦ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካልን ከኣ ይቃለስ።

ብኻልኣ ኣዘራርባ፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ቃልሲ ንዘሎው ናይ ተቓውሞ ሓይልታትን፡ ኣብ ሓያለይ ኲርንዓት ዓለም ንጆግራፊካዊ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ዝውክሉ ባእታታትን፡ ናይ ዜና መዕከናት ተዋሳእትን ዝሓቖፈ ኢዩ።  ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ህልው ኲነታት ኤርትራን ህዝባን፣ ኣብታ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ እትህነጽ ሃገረ ኤርትራን ሓደ ሚዛንን ራእን ይውንኑ፤  ቀንዲ ኣትኲሮኦም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዘሎ መላእ ህዝቢ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ምልዕዓልን ምቅላስን ኢዩ።

ቀንዲ መትከላት ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡-

  • ንሓድነትን ብዙሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ምድልዳልን ምርግጋጽን፤

  • ንልዑላውነት ኤርትራን መሬታን ምክልኻል፤

  • ንሰላማውን ርትዓውን ኣፈታትሓ ግርታት ምቕባልን ምምዕባልን፤

  • ንመሰላት ደቂ ሰብ ምጥባቕን ብዘይ ቅድመ ኲነት ምኽባርን፤

  • ወካሊ ምሉእ ህዝቢ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካል፡ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዝግበር ቃልሲ ብኣግኡ ክዕወት ብትሪ ምቅላስ፤

  • ካብ ሃሳይ ዝምድናታትን ጽልዋታትን ደገ ምርሓቕን ነጻነትካ ምኽባርን፤

  • ንሕውነት ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕዋት ኣበርቲዕካ ምስራሕ።

ሓዲሽ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ድሕሪ ምቛሙ፡ ንመዓልታዊ ስራሓት ብኣድማዕነት ንምስልሳል፡ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣምባሳዶር ሑመድ ኩሉ፡ ኣቦ መንበር፣ ወይዘሮ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ምክትል ኣደ-መንበር፣ ኣቶ ኣማረ ገብረ፡ ጽሓፊ፣ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ፡ ተሓዝ ገንዘብ፣ኣቶ ረዘነ ሃብተ፡ኣባል፣ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ኣባል፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ኣባል። ፈጻሚ ሽማግለ ብህጹጽ ከዐውቶ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ዕማማት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡-

-       ተጀሚሩ ንዘሎ ህዝባዊ ምትእስሳር ብእተዓጻጸፈ መልክዕ ምስፋሕ፤

-       ነቲ ልዑል ዝኾነ ዕላማታት ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝያዳ ምግላጽ/ምብራህ፤

-       ንሓቀኛ ትርጉም ‘ወካሊ ዲሞክራሲ/representative democracy’ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ምስራጽ፤

-       ኣባላት ምትእስሳር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ነቲ እተሰማምዑሉ ዕላማታት ንምዕዋት ዘድልዮም ኲለንትናዊ ሓገዛት ምብርካት።

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት

9 ጥቅምቲ 2011

CCENDF@gmail.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,297,361 وقت التحميل: 0.28 ثانية