መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተቓኒዑ
ቤት-ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
አብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝሰርሑ ኤርትራዊያን ዓፋር ኢትዮጰያ ዓፋር፡ ብማሕበር ተጠርኒፎም ጉዳዮምን ጉዳይ ህዝቦምን
ዝዝትይሉ ኩነት አብ ከተማ ሰመራ ፈጢሮም፡ እዚ ካብ ዕለት 4-5ጥቅምቲ 2011
ዝተቓነዔ መስራቲ ጉባኤ አስታት 270
ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዓፋር ኤርትራ ተረኺቦም፡ ከምእዉን ብመንገዲ ዘመናዊ መራኸቢታት ማለት ፓልቶክን ሰካይብን ድማ
ካብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለመና አብቲ ጉባኤ ተሳቲፎምን ሓሳባቶም አካፊሎም፡፡ እዚ ንሕና ኤርትራዊያን ኢና መሰልና
ድማ ሙሉእ ብሙሉእ እተረጋግጸልና ኤርትራ ንደሊ አብ ትሕቲ ዝብል ጭሮሖታት ብዉዕዉዕ መንፈስ ዝተቓነ ጉባኤ
ካብ ዝተፈላለዩ ወገናትን ማሕበራትን ናይ እንቓዕ ናብዚ ታሪኻዊ ምምስራት ማሕበር ሰራሕተኛታት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
አብጻሓኩም ዝብሉ ናይ ደገፍ መልእኽታት ተሰሚዖም፡፡
አብቲ አጋጣሚ ዝተረኸቡ አባላት መራሕቲ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ደገፍ መደረ አስሚዖም፡፡ አቶ ኢብራሂም ሃሮን አቦ-ወንበር ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ ዝሃቦ መደረ፡ ንሕና ነታ አቦታትናን አሕዋትና ዝሞቱላ ሃገረ ኤርትራ ብሰንኪ ውዲት ስርዓት
ሻዕብያ ትርጉም ሉኡላውነት ስለዝጠፋአና፡ ናይ ባዕልና ዕድል ባዕልና ክንውስን ኢልና ፖሎቲካዊን ፍትሓውን ሕቶ አልዒልና ንቃለስ አለና፡
ሰላምን ፍትሕን ልዑላውነት ህዝብታትን ብሄራትን ዝረጋገጸላ ኤርትራ ክንርኢ ኸአ ናይ ወትሩ ሕልምና ኢዩ፡ ደጊሙ ሓዳስ ውልዶ ኤርትራ
ንዜጋታታ እትሕብሕብ ድልየታቶም እተማልእ ኤርትራ አብ ዞባና እንተሪኢና ቀዳሞት ልእላውነት ኤርትራ እንሕልው ንሕና ኢና ክንከውን
ድሕሪ ምባል፡ እዛ ሕጂ እንሪኣ ዘለና ኤርትራ ግን ምስልን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይሓዘት፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔና ባዕልና ክንሓትት ተገዲድና ድሕሪ ምባል፡ እንካዕ ናብዚ ታሪኻዊ ምምስራት ጉባኤኹም በቓዕኩም ዓወትን
አሳልጦን ድማ እምነየልኩም ኢሉ መደርኡ ምስዛዘመ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብወገኖም፡ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝብና ዝቓለስ ዘሎ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንሕና አብ ጎኑ ደው ብምባል ካባና ዘድሊ ነገር ከነማልእ ቑሩባት
ኢና ድሕሪ ምባል፡ እዚ አብ 15ጥቅምቲ ዝካየድ ጠቕላላ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብዝከአለና መጠን ወጻኢታቱ ክንሽፍን
ንምዕዋቱ ክንሰርሕን ከምምኻና ቃል ንኣትወልኩም ኢሎም፡፡ አብ ካልአይ ማዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤተኛታት ካብ ሞንጎኦምን
ካብሞንጎ›ቶም ብመንገዲ ኢንተርኔት ዝከታተሉ ዝነበሩ አባላት ሓንቲ ብ27አባላት ዝቖመት ሴከሬታሪያት አካል መሪጾም፡ ካብ ሞንጎ
ታ›ሰክሬታሪያ ድማ ንጥፈታት ስራሕ ትከታተል 9ዝአባላታ ፈጻሚት መሪጾም ደምዳሚ አዋጅ ብምሕላፍ ጉባኤተኛታት ብዑጉብ
መንፈስ ጉባኤኦም ዛዚሞም፡፡ ከምዝዝከር ካብ ዕለት 25ክሳብ |