Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

ይ.6.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ርሑስ ብዓል ቁድስየውሃስ ክኾነልና እና ተነኹ) እዛ ግጥመይ ጆባ እብል)

ኣይተረዳኣኩምን ዶ ንሕናን ዕላማናን ትርጉሙ

ንህዝቢ ኤረትራ ምጽናት ሕልሙ

ክሳብ ማዓስ ትድግፉ ንዝጠለሙ

ጉጅለ ሸፋቱ ዝበልዎ ትደግሙ።

ንመንእሰያት ብኣፍ ጾሞም

ብዘይ ክፍሊት ኣገልገልቲ ኮይኖም

ብርነት ከቢድዎም

እንተ ሃደሙ ትብልዎም ጸጊቦም

ሃየንታ ኣለዎ ኢሰያስ ዝበሎ ምድጋም።

ንኢሰያስ ብዙሓትእዮም ላኣኽቱ

ብልእላውነትና ቁማር ዝጻወቱ

ካብ 70 ጀሚሮም ምስ ሳዓብቱ

እኒ ወዲ ገርሃቱ ዝልኡኻቱ

ሓጎስ ክሻ ተሓዝቲ ገንዘብ ናቱ

እኒ የማነ ማንኪ ካድራቱ

ክንደይ ሰውራዊያይ ዘየጽነቱ

ክሳብ ማዓስ ክንዲ ህግደፍ ትማጎቱ።

(ኣብ ግዝየ ቃልሲ ንጀብሃ ዓማ)

ነቶም ኣንጊሆ ዝፈለጥው ልኡኽ ምዃኑ ደሞክራስያዊያን መንካዕ

ሕጂ ካኣ ሓሞሻይ መስርዕ) ወያነ ካዳሚ) ንኹሉ

ንኣቃሊሶም ዘቃለሲ ዓገብ ኢሎም ኢሉ

ካዳዓት እንተበሎም ከዳዓት ትብሉ

ከም ፓፓጋሎ ንሱ ዝበሎ ተድግምሉ

ንብልእላውነት ዝጣላዕ ትሕለቁሉ

ኤረትራዊያን ኣስተውዕሉ

ሃገር ምስ ህዝባ እንዳ ኣጽነታ

ክንዲ ዲክታቶር ትካላኸሉ።

መንእሰያት የጽንት ንስልጣኑ

ኤረትራዊ ይጽነት እንታዩ ኮይኑ

ንህላወና ንዝፋታተን ትኣምኑ

ዓገብ ክትብሉ ሕጂዩ እዋኑ

ክሳብ ማዓስ ንጃንዳ ህግደፍ ትኣምኑ።

ኣብ ግዝየ ቃልሲ ንባድመ

ብዋጋ ጀብሃ ኣረኪብዋ

ድሕሪ ነጻነት ካኣ

መንእሰያት ዓሊሙ ኣብ ሳዋ

ነታ ብዋጋ ጀብሃ ዘረከባ

ኢሉ ወያነ ወሪሮምዋ

ሃገር ብምልእታ

ናብ ኪኵናት ሽሚምዋ

ሕጂ ካኣ ንሃገር ምስ ህዝባ

ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪድዋ

ኣቱም ሃገር ምስ ህዝባ

እንዳጠፍኤት ትዕዘብዋ

ልኡኽ ኣስራተ ካሳ ክይሸጣ ንሓልዋ።

(ህግድፋዊያን ክሳብ ማዓስ ትታለሉ)

መን ክንዲ ህዝቢ ይሕለቕ

መን ከ ይዕዘብ ህዝቢ ክሓቅቅ

ተበዲሉ በቶም ዝሰርሑ መንደቅ

ንሕና ዓገብ ንብል ንስኻትኩም ይብሉ ሱቕ

ዲክታቶር መሲልዎም ዘይወድቕ

ዓመታት ሓሊፉ ህዝቢ ከይረኣየ ጽቡቕ።

ንህዝቢ ኣብ ጥሙይ ከብዱ

ጭፍራ እንተበልዎ ሕንቂቑ

ንስኻትኩም እንተበላዕኩም ጸጽብቑ

ህዝቢ እንዳ ተሳቐየ ትስሕቁ

ክሳብ ማዓስ ክንዲ ንጃንዳ ትሕለቑ

ሃገራዊያን ንተኣማማን

ሃገር ምስ ህዝባ ንምድሓን

ኢደይ ኢድካ ንበል ሕጂ ውን

ንልእላውነትና ዝፋታተን

ብጀካ ኢሰያስ ካልእ የለን

ቃልና ሓደ ይኹን

ካብ ብርሰት ክንድሕን

ቃልና ሓደ ይኹን

ኣብ ሃገርና ሰላም ክሰፍን።

እቶም ንተቃወምቲ ሓይልታት

 ዘይሽምና ትህቡና

ንሕናስ ካብ ቀደምና

ንልእላውነትና ምስ ተኻላኸልና

ሕጂ ውን ድልዋት ኢና

ንልእላውነትና

ኣይንህብን ኣሕሊፍና

መልሓስና ማዓስ ዓጺፍና

ዋላ ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኰና

ብተደጋጋሚ ንባደመና

ንብል ናህና ናህና።

ከምቲ ብዋጋ ጀብሃ ዘረከባ ንባድመና

ኢሰያስዩ ባዓል ደሙ ንህዝብና

ንሱዩ ዝፋታተን ንልእላውነትና

ንሓልዋ ንሃገርና ዋጋ ደምና

ንስለኣዶ ኸ ይኮና

ክንደይ ብሉጻት ዝኸፈልና

እንተ ኣለሊና

ነቶም ዝካላኸሉ ንናቱ ዝና

ዋዓል ሕደር ከይበልና

ክንፈትሖ ሽግርና

ብቅዓት ኣሎና

ኣይንዋራዘ ኣብ ነንሕድሕድና

ንጠቅሚ መን ኢና

ንጻላለም እንተበልና ይሕሸና።

ዕላማ ንሕናን ዕላማናን ንፍርሶ

ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣይንኹን ቲፎዞ

ነቲ ዝፈላልየና በቋራጭ ንሓዞ

ክንዲ ሓቢርና ንኽንብሎ ብትሕዞ

50.ዓመት ሓሊፉ ቅሳነት ሲኢና ክንቅንዞ።

ዋጋ የብሉን እንተ ተዳጋገመ ገጋ

ኢሰያስዩ ንሃገር ዘውድቕ ኣብ ሓደጋ

ሃገር ምስ ህዝባ ከይወረደት ኣብ ዕዳጋ

ዝኸፈልና ከፊልና ካብ ጭፍራ ነሕድጋ።

ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,266 وقت التحميل: 0.31 ثانية