Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
መንእሰይ ተበገስ ሕጂ ውን ከም ትማ&#46
أخبار

መንእሰይ ተበገስ ሕጂ ውን ከም ትማሊ

ይኣክለካ በሎ ንህግደፍ ሃላሊ

2.ይ ክፋልን መወዳእታን

(ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን ቆርጀ) ሃገር ጀርመን)

እቶም ቅልቅል ውጥም ዝብሉ እንከይጸውዕዎም

ሽኹሹካ ድዩ መኣዝኖም ኣስሕትዎም

ወይስ ቁርጣጦ ህግደፍዩ መቒርዎም

መንእሰያትና ክሞቱ እንዳ ረኣይዎም

ዓሳታት እንዳ በልዕዎ ንሬስኦም

ክደግሙ ዝስምዑዘረባ ኣያኦም

መሕሸኩሸኹቲ ፈታሕቲ ስርኦም

ቀደም ቀበልየ ዝነበሩ ምስ ደርጊ ተሰሪዖም

ሕጂ ካኣ ምስ ህግደፍ ተጸጊዖም

ስቃይ ህዝቦም ዘይግድሾም ብጀካ ረብሕኦም

በለካ ለክዓካ ዘረባኦም

ካራታት ዝስሕሉ መሕረድኦም

ንህዝቢ ዘክፍልዎ ባዕላቶም ሰሰሊኦም

ተጣዕቲ መልሓስቲ ትፍኦም።

ንመንእሰያትና ዝሻባሸብ ንውግእ

ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ንከጥፍእ

ወራሲ ዘይብልና ጨሪሽና ክንጠፍእ

ሃገር ብምልእታ ንበይኑ ዝሓዝእ

ነብሱ ዘጻባብቅ ንካልኦት  ዘካፍእ

በሓቲ ቅዋማቱ ንኻልኦት ዘየዋስእ

ሓሶታቱ ዝዕብልኽ ምድረ ሰማይ ዝጎብእ

እዋሓስ ተባሂሉ ዘይብል ኣግብእ

እንካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝኸፍእ

ንብዓለማ ዝጻረፍ መርዝታቱ ዝተፍእ

ሕጂ ግን ብኩሉ ምስ ጸበበቶ ከምዛ ዓይኒ መርፍእ

ኩነታት ምስ ረኣይያ ዘይተዋጽእ

ኣካ ረኤናዮም በቶም ዘነኣእሶም ካብ ኢጋድ ተሰጕጉ ክወጽእ።

መሸንቆቋ ምስ ተረረት ዓቕሎም ምስ ጸበቦም

ኣውያቶም ኣስምዑ ብኹሉ ተዋፊሮም

ኣስናን የብሎምን ኣእጋር የብሎምን ከም ዘይነበረ ዘረብኦም

ኣመርካ ወያነን ከም ዘይነበረ ዋዜምኦም

ከም ዘይተጻረፉ ዘይጋዓሩ ኣብ ልዕሊኦም

ዝበልኩምና ንፍጽም ይብሉ ኣለዉ ኣብ ብርኮም ተደፊኦም

ሰማዕ ውን ኣይረኸብን ደብዳቢኦም።

መንእሰይ ተበገሱ ዕጠቑ ክተቱ

ሃገር ከይለከማ ኣብ ግዝየ ዕርበቱ

ትልኽዩ ዝብል ዘሎ ተቀሪባ ሞቱ

ዝነብሑ እንተነብሑ እቶም ዕሱባቱ

ሸበድበድ እንተ ኣብዝሓ እተን ጭርንዓቱ

ዘበት ኣየድሕንዎንዮም ካብ ስዕረቱ

መሬታምበር ህዝባ ኣየድልን ጭርሖ ለኣኽቱ

ንሳያ ዕላምኡ እንካብ ብጊሓቱ

ረመጽ ከዓውሉ ኣብታ ምድሪ ቤቱ

ጸረ ሰላም እዩ ከምኡዩ ዝፈቱ።

ክሳብ ማዓስዮም ፖሊሲ ጥፍኣት ክሕንጥጡ

ክሳብ ማዓስ ከፋራርሑ ከጓጥጡ

ክሳብ ማዓስ ክሕንቅቑ ክሸቅብጡ

ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሓቅታት ክዓብጡ

ነብስምትዕብባይ ዝፈትው ዝብርጠጡ

ብደም ኣሕዋትና ኣሓትና ዝሽቅጡ።

ኣቅሽሽትውን ኣለውዎም መጋበርያ ሽጉጥ ዝዓጠቁ

መስቀል ሒዞም ዝተዋፈሩ ዝተራቐቁ

ንፋሽሽቲ ስርዓት ዝውድሱ ዝምርቑ

ሽይጣን ዝዓሸሮም ካብ ኣማልኽ ዝራሓቑ

ዓገብ እትብል ቃል ከይትመልቆም ዝጥንቐቑ

ክብረ ካህንነቶም ዘራከሱ ዘረባ ሰባት ዝሰርቁ

ኩሉ ዝተባህለ ንህግደፍ ዘስንቁ

ብህዝብና ዝተፈንፈኑ ዝተናዕቁ።

ህዝብን ሃገርንዩ ዝስራዕ ቅድሚ ኩሉ

ኣቱም ህዝቢ እንዳተጨፍጨፈ ትሕሽኩሉ

ሃገር ማዕቢላያ እንዳ በልኩም እተዳኽርሉ

ጅግና ወዲ ኣፎም እንዳ በልኩም እትንየትሉ

ነዚ መጽነቲ መንእሰያት መንግስቲ ዓዋሉ

ሃገርን ህዝባንዩ ነባሪ ኣስተውዕሉ

እንቢ ንዝበለ ግን ግዜ ባዕላ ተርክበሉ

መሬት ክወግሕዩም እንቲ ርእሱሉ

መንእሰይ እንሆ ብኩሉ ተላዕሉ

ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ወዱ ጓሉ

ፍርሒ ራዕዲ የብቅዕ ኢሉ ካላሽኑ ኣልዕሉ

ነዊሕ ኣይኮነን እቲ ግዜ ስርዓት ኢሰያስ ነበረያ ነበረ ዝኾነሉ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ውሻላቱን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,286,129 وقت التحميل: 0.31 ثانية