Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
16/10/1445 (24 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
መርሓባ ባሕቲ መስከረም ፈላሚት ብ&#464
أخبار

መርሓባ ባሕቲ መስከረም ፈላሚት ብረታዊ ቃልስና

ብ61 ዝተተኮሰት ኣብ ጎቦ ኣዳል ብሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጅግና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

( ኤረትራዊ ወደባት )

ስዉእ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ዓስከር ሓርነት ቃልሲ ዝመስረተ

ነጻነትና ብደምና ዝበለ ምስ ጸላእቱ ዝኣበ ዘተ

ዝተሰወኤ ሰውራ ተተኺሉ ምስ በለ ታተ።

መርሓባ ባሕቲ መስከረምና

ጀማሪት ብረታዊት ቃልስና

ብ.ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጅግና

ንነጻነት ንሓርነት ዝሓረነ ሓርበኛ

ብ.61 ዝተተኮሰት ቀዳመይቲ ጥይትና

ኣብ ኣኽራናት ሃገርና

ኣብ ጎቦ ኣዳልና

ራዕዲ ፈጢርሎም ንገዛእትና

ንዝመንጠሊ ሪምና።

ጓል ወዲ ደቂ ኤረ

ዓጢቑ ቁምጣ ስረ

ሸቃላይ ሓረስታይ ተማሃራይ ብማዕረ

ድሕሪ ሓርበኛ ዓዋተ ነደረ

ንነጻነቱ ኣብ ኣኽራናት ሰፈረ

እዚዩ ታሪኾም ጀጋኑ ደቂ ኤረ።

ኣብ ከተማ ኣብ ገጠራት ኮነ ዓዋተ ዓዋተ

ኣብ ቶጎሩባ ዓወት ምስ ተሓፍሰ

ዓቅሉጸበቦ ሃይለ ስላሰ

ሹዑ ካብ መንግስቲ ለይቲ

ናብ መንግስቲ ቀትሪ ተቀይርና

ዓርመሸሽ ኮይኑ ሓይልና

ንመግዛእቲ ንሃጸይ አፍሪስና

ንደርጊ ኣዳኺምና

ሕራ ክንገብር ምስ ቀረብና

ንመላእ ሃገርና

ብንሕና ዕላማናን ውዲተኛ

ኣብ .77.ኮሊፍዎ ንናጽነትና።

እዚ ኩሉ ሓሊፉ ግና

ምስ ተዓጻጸፈ መስዋእትና

ቀያሕትን ጸለምትን ምስ ኣወፈና

ኣብ መበል 30 ዓመትና

ብ91 ምስ ተጋህደ ሕልምና።

እንታይ እሞ

ከይዋዓልና ከይሓደርና

ተቃወምትና ህዝብና

ዝተበደልናዮ ረሲዕና

ኢሰያስ ምስ ጃንድኡ ግና

መዝሚዞም ንሕያውነትና

በሉ ንሕና ኢና ነጻነት ኣምጺእና

ንሕና ኢና ክንመርሕ መሰል ዘለና

ኢሎም ጨውዮሞ ነጻነትና

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣልቦ መበል 20 ዓመትና

ኢዮቤል ኣብ ዒልና

ሕጂ ካኣ መበል 50 ዓመት ኢዮቤልና

ነብዕል ኣሎና።

እንብአር ሕጂ ውን

ክንብል በለእንበር አይተካዕወን

ቂም ትብል ኣላ ታ ሳዓት?

 ሓርበኛ ዓዋተ ይላቦሎ

ኢሉ እለይዎ ያኣኽሎ

ኢሰያስ ምስ ጃንዳኡ ክሳብ ዘሎ

እቲ ሽግር አብ ኤረትራ አሎ

ካብ ሱሩ ክሳብ ነቅሎ

ስደት ብርሰት አሎ።

ታሪኽና ንዘክሮም እሞ

ህዝብና ክርህዎ ክጥዕሞ

እቲ ሕሉፍ ታሪኽና ንድገሞ

ብደገን ብውሽጥን ንህጀሞ

ኣደኣ ገዲፋስ ትናፍቕ ሓትናኣ

ንኤረትራ ንሕና ኢና ደቅኖኣ

ካብ ገበተ ሓራ ክንዲ ነውጻኣ

ፋሕ ንብል ከም መራሒ ዘይብለን ኣሓ።

እቶም ሕድሪ ዘሸከሙና

ተንሲኦም እተዝርእዩና

ስኒት ሲኢና

ኢሰያስ የጽንቶ ህዝብና

ሰማእታትና እንታይ ምበሉና

እወ ምደንጸዎም ብግብርና

ንጃንዳ ኣሊና ኣብ ሃገርና

ደሞክራስያ ዘይምትካልና።

(መስከረም)

ተጠሊሙ ሕድሪ ሰማእታትኪ

አይጣዓሞን ህዝብኺ

ሽማዊ ነጻነት ሒዝኪ

መበል 50 ዓመትኪ

ኢዮቤል ተብዕሊ አሎኺ

ህግደፍ ኮይኖም ገዛእትኺ

(ሕጂስ ያኣክል)

ዋዓል ሕደር ከይበልና

ሕንቲ ትኹን ቃልና

ንድሕነት ህዝብና

ንስምሮ ኣሃዱታትና

ይካኣሎ ዋርሳይ ክክተሉና

ንስለያ ህግደፍ ጸራሪግና

ሽሕ ክሎሜተር ክንስጉም ሓቢርና

ኣብ ሓንቲ ማዓልቲ ክንቛጻጸራ ሃገርና

ሕልሞም ጋህዲ ክኸውን ሰማእታትና

መስከረም ቃል ንአቱ መብጻዓይኹነንና።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ንህግደፍ ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,401,953 وقت التحميل: 0.14 ثانية