Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

4ይ.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(እዚዩ ዝብሃል ብኸበሮ ኣብያስ ብሕንብጢት)

ንኢጋድ ኣመልኪቱ መግለጺ ህግደፍ

ከምዘይተጃሃሩ ከምዘይበሉ ሃተፍተፍ

ዝበሎ ረሲዑ ጀሚሩ ወልደፍደፍ

ከምዘይተባህለ መራሒኹም ግደፍ

ንብዓት ሓርገጽ ይነብዕ ኣሎ ወዮ መንደፍ።

ብፍርሂ ተዋሒጡ

ወያነ ከዳሚ ምባል ገዲፉ

ኢትዮጵያ ይብል መልሓሱ ተቖሊፉ

ውርደተኛ ዝላኸፍ ሓሓሊፉ

ጭፍራ ኣኺሉ ሳዓትኩም ክትጓሓፉ።

ዳሓንኩኒ ህግደፍ

ጊደኻ ተሪፉ ኣርክቦ ንገዳፊ

ህዝቢ ሃፍ ከየብለካ ብጸድፊ

ኤረትራዊት ኣደ ክተዕርፊ

ካብ ናይ ጭፍራ ግፍዒ።

ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ሸፋቱ

ኣየቲ ዕሽነቱ

ናብ ኣኸባ ኢጋድ ኣዳናጊሩ ካኣቱ

ተደፊኡ ወጺኡ ተሸኪሙ ሕፍረቱ

ዝብሎ ጠፊእዎ መልሓሱ ተለኺቱ

ናብ መን ዋሕስ ክትዓግቱ

ኣብ 40 ዓመቱ

ቀሪቡዩ ውድቀቱ

ይቖጽር ኣሎ ሳዓቱ

ድሕሪ ዓርኩ እዩ ስዕረቱ።

(ውሻላት ጃንዳ ኣደብ ግበሩ)

መልሲ ነቶም ዘይሽምና ዝህቡና

እኒ ኣለም ጎይቶኦም ዘፍረሱ ጀብሃና

ምፍተት ኢሰያስ ገሮሞ ንህዝብና

ንሕና ግና

ሕጂ ውን ከምቀደምና

ንጹርዩ ዕላማና ኣሕሊፍና

ኣይንህብን ንልእላውነትና።

ዑሱባት ዝብልዎ ጠፊእዎም

ወናኒ መስከረም ኣቦ ወንበሮም

ውድቀት ጃንዳ ኣብ ሕልሞም ተራእይዎም

ኣብ ደሞክራስያዊ ኤረትራ መን ዶላር ክህቦም

ስለ ዝፈልጡ ምስ ላኣኺኦም

ህዝቢ ከም ዝፈርዶም

ንተቃወምቲ ንምጽላም ተዋፊሮም።

19.ውድባትን ሰልፊታትን

ኣንጊሄን

ንነጽስነት ንሓርነት እየን ተሰሊፈን

ከም መራሒ ጭፍራ ንሓነሽን ንባደመን

ኣይህባን ኣሕሊፈን

ብሰንኪ ባድመ እየን

ብንሕናን ዕላማናን ተኸዲዔን።

ህዝቢ ክመቃቅሉ ንሜዳ ዝተሰለፉ

ሃጸይ ደኣ እትናይ ገሩ ካብኡ ሓሊፉ

ሕጂ ካኣ እነዉ ይጽሕፉ

ንዲክታቶር ከናግፉ።

(ኣብ መንጎ ደቀባት)

ሓዊ ክትኣጉዱ ትደልዩ

ኣከላጉዛይ ሓማስየን ኢሎም ይፈላልዩ

ናይ ምፍንጭል መሰንቆ ይቃንዩ

ሎምስ ኤረትራዊ ለቢሙዩ

ሰራወታይ ኣይታለልንዩ

ሰንሒተታይ ጸላእቱ ኣለልዩ

ዓፋራ ኩናማ ሓድነትዩ ድላዩ

ትግረታይ ጸላእቱ ይፈልጥዩ

ጃንዳ  ኣየናይ ቢሄር ዘየብከዩ

ብጃንዳ ኩሉ ኤረትራዊ ደምዩ

ናይ ዶላር ዑሱባት ሰበብ ኣይተድለዩ

ቢሄራትና ንጭፍራ ዝኣልየሎም ዮም ዝደልዩ

ገበርቲ እከይ ካብ ቅድመና ተኣለዩ።

ንፍላስፋታት ምብትታን

ኣብ ኤረትራ ቦታ የሎን

ሓደ ኢና ኣስላም ክስታን

ዘይመረጽናዮ ባዓል ቆጽልና ኣይኮነን

ንጭፍራ ከይኣለና ብሰላም ኣይንነብርን።

(ትሕልሙ ብሰላም)

ስልጣን ከርክቦ ንህዝብና

ኢልናኩም ኣይትተንክፉና

ምስማዕ ካብ ኣበኹምና

ተዋፊርኩም ኣብ ምጽላምና

ትብሉ ሰላማዊዩ ቃልስና

ኣይትተንክፍዎ ትብሉና

ነቲ ሰታይ ደም ህኮተኛ

ንሕናስ ዘበት ድቂስና

ምስ ጃንዱኡ ከይኣለና።

እወ ኣፍሪና ኢና ጃጋኑ ደቅና

ወሪስቲ ሕድሪ ሰማእታትና

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተቃውሞ ሰሚዕና

ንወኪል ህግደፍ ዘርዕድ ቪድዮ ሪኢና

ኣብ ኣመሪካ ከምኡ ዜና ሰሚዕና

ደጊም ቦታ የሎን ንጽግዕተኛ

ካብ ዲክታቶር ክጋላገልዩ ህዝብና።

ምስ ተበገሱ ብደገ ኣሃዱታትና

ብውሽጢ ምክልኻል ሓይልታትና

ከም ሊብያዊያን ምስ መርሽና

ኤረትራ ንኤረትራዊያን እዩ ጨራሕና

ንደም ዘንብዑና ምስ ሳዓርና

ሕፍረት ይሽከሙ ቶም ዘጸለሙና።

(ስለዚ)

ንኺድ ንቅድሚት

መራሕቲ ሰራዊት ሕርነት

መራሕቲ ህዝባዊ ሰራዊት

ኣብ ቃልሲ ዝበልኩም ከርተት

ናበይ ኣበለ ዝኹሉ ትብዓት

ዝደምሰሰ ናይ ሃጸይ ስርዓት

ዝበታተነ ንሓያላት

ህዝቢ ጠርኒፉ ዘብጸሔ ናብ ዓወት

ኩውን ዝገበረ ናይ ኤረትራ ነጻነት።

(ምስ ንምርሽ)

ከም ሊብያዊያን ዓወት ክንሓፍስ

ሕጂዩ ሳዓቱ ንጭፍራ ክነልግስ

ወይልኡ ሕጂ ዝድቅስ

ብኩሉ ማኣዝናት ንኣስመራ ንገስግስ።

ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,894 وقت التحميل: 0.24 ثانية