Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

3.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡድ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሕንዛም ቃላቱ

ምፍተት ሸፋቱ

ኣይትቅሰን ኢሉካ ንምሸቱ።

የምሕረሉዶ

ክዋራዘ ኢሉ ሕንብጢጥ

ብጀካ ሳዕሲዒት ስቕትቅጥ

ክሰርሕ ተራእዩ ዘይፈልጥ

ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዘጓጥጥ

ክንዲ ስኒት ብቃላቱ ይሽቅጥ

ንኪዳን ኮምሽን ይሽምጥጥ

እንዳ ፈለጠ ሓቂ ዝዓብጥ።

ሓለይቲ ህዝቢ ተመሲሎም

ካብ ኢሰያስ ይገዱ ንሶም

ካብኡ እንታይ ይፈልዮም

ሐደዩ ሕልሞም

ብውሽጢ ንሱ ብደገ ንሶም

ከም ጠበቕ ዝንቕንቑ ርእሶም።

ሓርነት ከም ሽማ

ብናተይ ዝበለቶም ተጠሊማ

ንደመኛ ኣሕሊፎም ሂቦማ

ንጹር አይኮነን ናቶም ዕላማ

ንህዝቢ ከሊኦሞ ጻማ።

(ንሕንዛም ቃላቱ)

ጹሑፍ ምስ ኣንበብካዮ

መልሲ ከይሃብካ ትም እንተኢልካዮ

ነቲ ሓሶቱ ሓቂ ከም ዘልበስካዮ

ስለዚ ኣንባባይ መታን ክምምዮ

መልሲ ምሃብ የድልዮ

ኣንባባይ ኣንቢቡ ይመምዮ

ሳዓዕን እኽልን ክፈላልዮ

ህዝቢ ንገባር እከይ የለልዮ።

ንነጻነቱ ንሓርነቱ ዘፍሰሰ ደሙ

ብባንዳ ህግደፍ ተጠሊሙ

አዋፊሩ ንጠቅሞም ዝተሸሙ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ዝብሉ ከም ሻሙ።

ከይንሳነ ሰለይቲ ኣዋፊሩ

ውረበላታት ድላዮም ይገብሩ

መምስ ዝመጸ ስርዓት ዝቃያየሩ

ደቀባት እንታውነቶም እንተ ሓበሩ

ብጭፍራ ሰማዒ ሲኢኖም ይባረሩ

ተረፍ ደርጊ ሕጽባት ደም ይዕንድሩ

ወደባት ይነብር ተኮምቲሩ።

(ሓቂ መራር እያ)

እቶም ን.29.ዓመት ዝዘረጉ ዝበተኑ

ዝሓልሙ ብድቅሶም መራሕቲ ክኮኑ

ድጉላት ከይንሰመር ጠንቂ ዝኾኑ

ተጋዳላይ መሲልዎ መድሕኑ

ደሞክራስያዊያን ሃገር ዘድሕኑ

ን.ተ.ሓ.ኤ ዝበታተኑ

ሕጂ ውን ገና ኣለዉ ይፍትኑ

ዓቅሊጽበት የዕወንውኑ

ንፊሊ ወዳይ ሽዳ ከድሕኑ።

ኤረትራ ተዛረቢ ባ

ተ.ሓ.ኤ ኣይነበረትን ዶ እንባ

ካብ ጫፍ ናብ ጭፋ ሓላዊት ህዝባ

ኣበይ ተሸሪባ ኣበይ ተሸሪባ

ህዝቢ ብጃንዳ ብርቲዕዎ ዓጸባ

እታ ዓባይ ዳዕሮ እንዳባ

ምሳር በዚሕዋ ወዲቃ ኣብ ጸበባ።

ምስ ተፈጸመ አብ ልዕሊአ ዕልዋ

በቶም ንተሓኤ አሕሊፎም ዝሃብዋ

ናታ መሲሎም ኣፍሪሶምዋ

ካብ ሹዑዩ ሃገርና ንፋስ ኣትይዋ

እዚኦም ከየልገሱ ኣበይ ክርህዋ።

(መራሒኦም)

ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር

ካብ 66 ጀሚሩ ሓዊ ዘጓሃህር

ተሳኢኑ ዕምሩ ዘሕጽር

ሃገር ምስ ህዝባ ብሰላም ክትነብር።

ኤረትራዊያን እና ሞትና

ትም ምስ በልና ኢና

ብሰንኪ ሓደ ሰብ ተዋሪድና

ብጅግንነትና ዓለም ከምዘይ አዛረብና

ሓርነት ከም ሽማ እስከ ንገርና

ነብስና ፈቲና ዶ ጃጂና

እንዳ ተጨነቕና ምንባር መሪጽና

ዝጠዓሞ እኳ ዘየሎ ካባና

ዋላ ውን እቶም ዝጎዩ ንናቱ ዝና

እሞ ማዕረ ካብ ኮነ ጸገምና

እንቢ ዘይንብል ኤረትራዊያን ኩሉና

ጸረ ዲክታቶር ሓደ ዘይከውን ቃልና።

ብደሙ ነጻነቱ ዘራጋገጸ

አብ ዓለም ከማና ዶሎ ዝተዓመጸ

ህዝቢ ተስፋ ምስ ቆረጸ

ዓቢ ንእሽቶ ይብል ድያብሎስ መጸ

ሉኡኽ ኣስረተ ካሳ ስርዓተ ገበተ።

ገለ ይግስግስ

ገለ ንዓመታት ይድቅስ

ይዕዘብ ደም ንጹሃት ክፈሰስ

ክንዲ እንቢ የልቅስ።

ከይሓረስካዶ ይብላዕ ሸዊት

ከይተቃለስካዶ ትዕወት

ከም ዓንዲ ዘይብሉ ማይ ቤት

ኣብ ሓደ ተሸኺሉ ንዓመታት

ብሰንኪ ናይ ዲክታቶር ዑሱባት

ሕጂ ግን ተፈሊጦም ጸረ ስኒት።

ያኣክል በበይንኻ ኮለል

ሕልሚ ህግደፍ ክብለል

ኣብ ኤርትራ ዳግማይ ክዕለል።

(ይቅጽል)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,259 وقت التحميل: 0.22 ثانية