Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
    ኣባላት ውድባት ልዕሊ ስሊዒት ብጽ&
أخبار

                ኣባላት ውድባት ልዕሊ ስሊዒት ብጽሒትኩም 

      ንላዕሊ ተሳታፍነት ንሃገራዊ ጉባኤ ተዓገቱልና

      በቲ ሓደ ከም ውድብ ብጺሒትኩም ከለኩም

      በቲ ሓደ ድማ  ከም ህዝቢ ብጽሒት ይድለ 

       ንዝወጽኤ መምርሒ ተማኪልና ንካላኸለሉ

Gabrehwat ABou Ashara.jpg

ካብ ገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

 ኣብ ካሊፎርነያ በይ ኤርያ  ንመስርሕ መምርሒ ናይ ኮምሽን ብምጥቃም ንተግባር ምውዓሉ ድማ ከቢድ ጻዕሪ ኣካይድናስ ኣተግቢርናዮ ድማ። ኣባላት ውድባት እቲ ብጽሒት ህዝቢ ነቲ ተደልዩ ዘሎ ዝላዓለ ተሳትፎ ህዝቢ 60% ምልኣት ረኺቡ ዓብላሊ ግደ ክሕዝ ምእንቲ  ብድልየትና ንሕና ናይ ውድባትና ብጽሒት ኣለና እዩ፤ ኣብዚ ናይ ህዝቢ ምርጫ ክንምረጽ ኣይንደልን ንህዝቢ ከይ ንዕብልሎ ህዝቢ እንተ ተዓብሊሉ ድማ ምስ ህዝቢ ኣብ ግርጪት ኢና ክንሽመም ካብ ዝብል ተረድኦ መምርሒ ኮምሽን ንኣጋባብ ኣሳታትፋን ኣማራርጻን ተኸቲልና ኣባላት ኣብ ሕጸን ምርጫን ክንኣቱ ከምዘይ የብልና ኢልና ወሲና።

   ከምኡ  ስለ ዝገበርና ድማ ህዝባዊ ምርጫ ንሃገራዊ ጉባኤ ዝኸዱ ኣድለይቲ ባእታታት  ካብ ሕዝቢ ሕጹያት ቀሪቦም ንምርጫ ተዋዳዲሮም ኣብ ምርጫ ንበይ ኤርያ ወኪሎም ዝንሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ቡቁዓትን እሙናትን ተመሪጾም።

ኣብ በይ ኤርያ ከምዚ ጌርና ከነብቅዕ፤ ኣብ ካልእ ጨነፍራት ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ንኣባላት ውድባት ከሳትፋ ዝብል ትሒም ትሒም ይስማዕ ኣሎ። ንኣባላት ውድባት ብውድብ ብጽሒት ተዋሂቡወን ከሎ ኣብ ናይ ህዝቢ ምርጫ ድማ ብኻልኣይ ኣፍ ክኣትው እንድሕሪ ተገይሩ ካብ መምርሒ ወጺእኻ ዝግበር ንመምርሒ ነጺግካ ብመምርሒ ዘይ ተማእከልካ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ኬድካ ውን ተማእኪልካ ክትከይድ ዘይ ሕሰብ ኢዩ። እቲ 60% ተሳታፍነት ናይ ህዝቢ ሙሉኡነት ከይህልዎ እሞ ጉባኤ ብውድባት ዝተዓብለለ ክኸውን እንተ ተደልዩ ግዜ ህዝብና ኣይ ነማኽን(???)፤  ህዝቢ ስለ ዘየሳተፍና ቀደም ኣብ ዕንክሊል ከም ዝነበርና ውድባት ብመስርሕ ዲሞክራሲ ዘይ ምኸላ    ኣብ መን መርሔ ተጋራጭየን ብሓደ ዘይ ከዳ ውድባት ከም ዘለዋና መን ይስሕቶ? ግን ንመዛኻኸሪ ኣብ ምሕዝነት ኣብ መን መርሔ ባእሲ ፈጢሮም፤  ኣብ ምሕዝነት ክኣ ታሪኾም ተማእኪልካ ዘይምኻድ ኣብ ተኻታተሊ ጉባኤ ኪዳን ካኣ ተማእኪልካ መስርሕ ዲሞኩራሲ ጢሒስካ ዘይምኻድ፡ ኣብ መን መርሔ ግርጭታትን ምክሳስን ተሽሚምካ ክስራሕ ዝግቦኦ ስራሕ በዂሩስ፡ ህዝቢ ሰፊሩወን ፤ ህዝቢ ኣብ ክንድ ስዓባይ ዝኸውን ኣማዕዲዩ ክርኤን መሪጹ

    ውድባት ጽቡቅ ዝገበረኦ እንተሊዩ፤ ነዚ ዋዕላ ምውዳድ ህዝቢ ክሳተፎ፡ ተሳታፍነትን ድምጺ ህዝብን ዝላዓለ ዓብላሊ ታራ ክህልዎ ጌረን። ህዝቢ ብምስታፈን ዋዕላ ብግርጪት ከምቲ ናይ ኪዳን ወይ ምሕዝነት ጉባኤታት ዘይኮነስ፤ ሃገራዊ ዋዕላ ብግርጭት ኣይተዛዘመን፤ እኳዳኣ ብዓወት ውሳኔ የሕሊፉ እዩ  ወጺኡ።

   ከም ተሞኩሮ ዋዕላ ህዝቢ ዝላዓለ ተሳታፍነት ስለ ዝነበሮ ዓብላሊ ታራ ድምጺ እውን ተራእዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ከም ፈውሲ ነቲ ተቓውሞ ደምበ ኣጥዒዎ። ህዝቢ ክኣ ነቲ ተቃውሞ ከም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ውራየይ ኢሉ ሕጂዎ ንሪኢ ን ንዕዘብን ኣሎና።እዚ ህዝቢ ዘሳተፈ መገዲ ዓወት መስርሕ ንውጺኢታውን ሩኡይን ተመኩሮ ስለምንታይ ዕሚም ዘብለና ዘሎ፤ ሕጂ ውን እንተኾነ ነቲ ውሳኔ መምርሒ 60% ተሳታፍነት ናይ ህዝቢ ከነዕውት ብመምርሒ ንኺድ፤ ውድባት ብውድባተን ይወከላ ህዝቢ ብህዝቢ ይወከሉ፤ ኣባላት ውድባት ካብ ኢድ ምእታው ኣብዘይ ብጽሒትኩም (ብጽሒትና) ነቲ ናይ ህዝቢ ምርጫ ናጻ ክትገድፍዎ (ክንገድፎ) ኣጥቢቐ የታሓሳስብ። ህዝቢ ኣብቲ ናይ ውድባት ጊደ ኢድ የእቱ የሎን፤  ስለምንታይ ኣባላት ውድባት ካብ ናይ ህዝቢ ግደ ንብጽሒት ናይ ህዝቢ ክምንጥላ ዝድለ ዘሎ?

ነቲ 60%ዝድለ ዘሎ ናይ ህዝቢ ድምጺ ደስካ ብውድባት ዝተዓብለለ ጉባኤ ምክያድ ድዩ ተደልዩ ዘሎ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ካብ ዓግብ ምባል ሓሊፍና ክንስዕበኩም ማለት ኣየስምዕን አዩ።

 ፍሉይ መልእክቲ ናብ ሙሉእ ዓለም ጨነፍር ሽማግለ ንመስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ

ዝኸበርኩም  ኣብላት ጨነፍራት ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ጉባኤ ምእንቲ ክዕወት እዚ ዝካየድ ምርጫ ንተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዝምረጹ ናጻ ካብ ውድባት ኮይኖም እሙናትን ቡሰላትን ዓቅሚ ደሎዎምን  ካብ ህዝቢ ክኾኑ ኣሎዎም። ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርነያ  USA ብኸምዚ ኣጋባብ ምርጫና ከም ዘሳላሰልና ኣብ ዜና ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ዘቃላሓቶ ትዓዚብኩም ትኾኑ፤ ካሎኦት ጨናፍር ናይ ዓለም ድማ ብኸምዚ ኣጋባብ ናይ ካሊፎርነያ ብጹፉፍ ኣጋባብ ብመሰረት መምርሒ ክትከዱ ዓወትኩም እና ተመነኹ ዝገበርኩሞ ኣጋባብ መስርሕ ምርጫ ድማ ክምዚ ናይ በይ ኤርያ ብጉሉጽነት ኣብ መድያ መራከቢ ብዙሓን ከተቃልሕዎ የታሓሳስብ። ምእንቲ እና ተኣማመነ ህዝቢ ክኸይድ ብእኩብ ድምር ናይ ኩላትና ሓበራዊ ጻዕሪ ድማ ተሳታፍነት ናይ ህዝቢ ዝላዓለ ታራ ሕጁ ካብዚ ዝነበርናዮ ሃልኪ ክንወጽእ ንኽእል ኢና። መገዲ ጥፍኣት ህግደፍ ምስ ጥሙርን ስጡምን  ኣሳራርሓና አዩ ዝታኣሳሰር።ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት መስርሕ ስለ ዘየሎ ኣብ ህዝብና ንመርኮስ ንህዝብና ግዱኡን ብጽሒቱን ንምስታፍ ንሃገራዊ ጉባኤ እቲ ተሰሊዑሉ ዘሎ 60%ክራጋገጽ ምእንቲ ኣባላት ውድባት ኣብ ምርጫ ህዝቢ ክሳተፋ የብሎምን።

   ውድባታትና  ንምስታፍ ሃገራዊ ጉባኤ ኣይተሓረማን፤ ናተን ዝተዋህበ ስልዒት ኣሎ። ብኸመይ ንመን ይሰዱ ንውድባታትና ዝምልከት እዩ። ከምዚ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ኢዩ ዝምልከት ንብል ዘለና፡ ኣነ ዲቕ ዝበልኩ ንጡፍ ዑሉል ኣባል ውድብ ኢየ። ኣባላት ውድባት ክምረጻ ክምረጹ ኣይግባእን ኢለ፤ ከምዚ ናተይ ካብ ካሎኦት ኣባላት ውድባት ክኣ ኣብ ናይ ህዝቢ ኢድ ክኣቱ የብሉን ኢሎም ጠጠው ዝበሉእውን ሓርበኛታት ነይሮም አዮም። ኣገናዕ ክባሃሉ ይግቦኣም። ስለዚ ኣባላት ጨነፈር ንሃገራዊ ጉባኤ ዘየኽስሰና ስራሕ  ክንሰርሕ ይግባእ ኢለ መልእኽተይ ኣብዚ እዛዝም።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,913,861 وقت التحميل: 0.28 ثانية