Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

2.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገርጀርመን

 

(ድሕሪ ቲ ሰውራዊ ባይቶ ናይ ሹዑ ሃገራዊ ጉ.ባ.ኤ)

መፍትሕ ፈስቲቫል ካሰል ምስ ኣረከቡና

ነቶም ኣብ ትሕቲ ኤ.ዲ.ኪ ዝነበርና

ኩሉ ዓቕሞም ምስ ኮነ ጸረ ጥርናፈና

እኒ ደናኒቶ ኣለሊናዮም ነርና

ይሰርሑ ነይሮም ፋሕ ንምባልና

ዕዉት ንከይከውን ቃልስና

ከይንጥርንፍ ህዝብና

ከይነድምዓሎም ንሰብ ደምና

ንሶም ተዓዊቶም ንሕና ፈሺልና

ዓንቂፎም ሰውራዊ ባዓላትና

ክሳብ ሎሚ ብሰንኮም ኢና

ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘይተዓወትና

ሕድሕድ ከም ንናቖት ገሮምና።

ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ

ንሓመድ ድጉሪ የውጽኦ

ተገሊጹ ናይ ሰለይቲ ተዋስኦ።

እኒ ደናኒቶ

ቀትሪ ከሎ ዝጸልመቶ

ሕብሮም ዝለዋውጡ ከም ነፋሒቶ

ኣለና ኣጋሊጽዎም  ደሓን ይእቶ።

ምፍላጥስ ፈሊጥናዮም ነርና

እቶም ሱዉሩት ገለ እንተ ኢልና

ከም ክከልቢ ሑሕ ይብሉና

ከምዚ ናትካ ጭብጥታት ስለ ዘይሓዝና

ሕጂ ግና

ተባዕ ወደባት ኣለና ኣለና

ቀጽሎ ንብለካ ሓቢርና

ጀብሃና ሻዕቢያና

ንስልጣን ኣይኮናን ንቃለስ ዘሎና

ስለ ክርህዎ ህዝብና

ብዘይ ምዩቕ ክነብሩ ደቅና

ነዚ ክንገብር እዮም ሰማእታትና

ሕድሪ ዘሸከሙና።

ነቶም ጸረ ሓፋሽ ዑሱባቱ

ተፈሊጦም ዮም ኣገልገልቱ

ጸረ ስኒት ዝተዋፈሩ ሉኡኻቱ

ኣብ ማእከል ተቃወምቲ ዝሸፈቱ

ተቃወምቲ ዓይንኹም ክፈቱ ክፈቱ።

(ዑሱባት ናይ ቶም)

Kill in Asmara.jpg

ኣብ ማእከል ጽርጊያ ዝቅንጽሉ

ብቃጻ ቀንጺሎም ዝድብሉ

ኣንጊሆም ዝሓከሉ

ንተቃወምቲ ክመቃቅሉ

ተቃወምቲ.ና እንዳ መሰሉ

ንጭፍራ ዘገልግሉ።

ሓርነት ብዙሕ ደንጕያ

ዓገብ ዝበለ ተረሸኑ ኣብ ጽርጊያ

መንእሰይ በልዩ አብ ጉድጓድ ወኻርያ

በቶም በላዕቲ ሰብ ናን ህግደፍ ማፍያ

ሓድነት ክትብል ኣብ ቃልሲ ብልያ።

 

(ሕጂ ካአ)

እቲ ጻዊዒት ነጺጊ ዝሓከለ

ሕጂ እንታይ አምጽኦ ለለ

መንገድኻ ሒዝካ ትም ኮሎ ዝቀለለ

ኣበይ ንምብጻሕዩ ዝኹሉ ተሓንበለ።

ሕደጉና E.P.D.P ኣይተላዓዕሉ ናዕቢ

ኣይትፈትኒ ንኮምሽን ኤ.ዲ.ኪ ክተባእሱ ምስ ህዝቢ

እንታይ ትምኒትኩም ንቅዋም ትምነዩ ናብ ከብሒ

ንሕንፍሽፍሽ ኣይትቁጸሩዎ ብልሒ።

(ንሕና ንምነዮ ሕጊ ኣልቦ ክእለ)

ህዝቢ ካብ ቅንጸላ ክጋላገል

ከብቅዕ ስደት ዓዲ ዓዲ ኮለል

ክድምደም ምሕደራ ኮነረል ጀንራል

ኣብ ኤረትራ ደሞክራስዊ ስርዓት ክትከል።

እቶም በይናዊ ቃልሲ ተካይዱ ለብሙ

ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ሻዕቢያ ነበር ኣይትኣድሙ

እንዳ ሰማዕኩም አይትጽመሙ

ኤረትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሉዩ ዓዲሙ

ኣብ ምፍልላይና ጃንዳ እዮም ዝጥቀሙ

ነቲ ጉባኤ ክተሄብትሙ

ኣብኡ መጺኹም ርኢቶኹም ሃቡ።

(ሹዑ)

እቶም ናጽነትና ጨውዮም ዝጠለሙ

ምስ መራሒኦም ሕፍረት ክሽከሙ

ደለይቲ ለውጢ ብሓባር ሰጉሙ

ኩሉ ወዲ ሃገር ንሓርነት የበርክት እጃሙ

ህዝቢ ኤረትራ ክፍታሕ ጸገሙ።

ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እመኑ

አነየ ፈላጥ ዓዲ ማዓስ የጋብር ኮይኑ

ናይ ዘረባ ዋሓለታት አይትኹኑ።

 

ይቅጽል

 ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,300,652 وقت التحميل: 0.23 ثانية