Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
በሎ ደቂሱ እንከሎ! ፌስቲቫል ህግደ&#4
أخبار

  በሎ ደቂሱ እንከሎ!

 ፌስቲቫል ህግደፍ ኦክላንድ 2011

GroupPic 03.jpg

              እቶም ንሰላም፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ኣንጊሆም ዝጨደሩ ህዝቢ ዓባይ ቤይ ኤርያ ሕጅውን መሰለይ ከይረኸብኩ ኣይዳነን ብምባል ንፌስቲቫል ህግደፍ ከም ዓውዲ መኼዳ ረጋጊጾሞ። ነቶም ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ካብ ንሕድሪ ስውእ ንስልጣን ውልቀ መላኺ ዝተምበርከኹ ሕማም ኩርምቲ ሃገር፤ እቶም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኣፍንጫ ገጾም ተጸጊዖም በታ ፈትሊ ሓቂ ሰርሲሮሞም። ኣበይ እሞ ዝነብዕ ዓይኒ ኣይተዓደሉን፤ ኣንትርፎ ብሑሩር ልብኻ ምዝላልን ምስዕሳዕን። እቶም ንመዝገብ ታሪኽ ኣንጻር ህግደፍ ኣጨናኒቖሞ ዘለው መንእሰያት ቤይ ኤርያ በያታቶምን ሳንዳታቶም ገዳይም ተጋደልቲ ተዓጂቦም እዮም መሰስ ኢሎም ኣብ ማእከል እቲ ፌስቲቫል ህሩግ ኢሎም ዝኣተው።

      ነቲ ብዕሙር ነቃልሖ ዝነበርና ድምጺ ውጹዓትን፤ ነቲ ተሰኪምናዮ ዝነበርና ታቤላታትን ዝረኣዩ ማሓዮታት ህግደፍ ከም ኣመሎም መዝለቑ ኔሮም፣ ብቕድሚት ንሕና ብድሕሪት መንደቕ እንተዘይህሉ። እቲ መድረኽ ድማ ፊት ንፊት ኮነ ኣብ ሞንጎ እቶም ይኣክል ስቓይ ህዝብና ዝበሉን፣ ከም እንስሳ ሓሰማ ንኸብዶም ዝነብሩን። ነቲ ነቃልሖ ዝነበርና ድምጺ ክጻወርዎ ስለዘይከእሉ ብመጉልሒ ድምጺ ዓው ኣቢሎም ናይ ቆርጫጭ “ካልእ ሓርነት የለን” ዝብል ደርፊ ከፈቱ። “ጀብሃ ሻዕብያ ሎሚ በሉ ዋይ ዋይ” ዝብል ደርፊ ደርጊ’ዩ ዘዛኻኽረካ። ያኢ ብደርፊ በዓል ቆርጫጭ ቃልሲ ሓፋሽ ክትሽፍን ምፍታን። ንዓና ግን ካብ ደርፊ ቆርጫጭ ንላዕሊ እቲ  ከም ጸጉሪ ርእሲ ቆርጪጩ ዘይዓቢ ሓንጎል ደገፍቲ ህግደፍ እዩ ዘተሓሳስበና ዘሎ እምበር እንተ እቲ ሓርነት ድኣ ኣብ ዱርኩኺት ገዛኹም ኣብ ኣፍንጫኹም ተጸጊዕና ዶ ኣይኮናን ነርእየኩም ዘለና። ካብዚ ዝዓብይ ሓርነት ንምርኣይ ድማ ኣብ ኣስመራ የራኽበና።

            ሎም ዘመን ህግደፋውያን ለይትን መዓልትን ከብዶም ብጓህን ፍርሕን ክሕመሱ ይውዕሉን ይሓድሩን ስለ ዘለው ጸባ ኣስቲኻዮም ልኻይ ቀልቀል ከየውጽኡ’ዩ ኢኻ ትፈርህ ። ኣብ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ገጾም ዝነበረ ረበሻ፣ ቁጥዔን ተስፋ ምቑራጽን ርኢኻ ለካስ ሓቆም’ዮም “ገዓት እንዳስተንፈሰት ትመውት” ዝበሉ ትብል። እቶም ክንደይ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ መሰል ህዝብና ይተሓሎ ስለዝበለ ናብቲ ዝርከበሉ ቦታ ከይዶም ዘፈራርሁን ዝህድዱን ዝነበሩ፤ ጨና ባሩድ ዘይፈልጡ ናይ ስደት ተጋደልቲ ኣብቲ ዘለውሉ ኬድናዮም ንሕና “ሰላም ኢና ንደልይ” ክብሉ ሰሚዕናዮም። ለካስ ንሰላም ማንም ኣይሽርፈካን’ዩ ንሳውን ብስረኻ ኢኻ ተምጽኣ። ሎም ዘመን ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ ዝበሃለሉ ጊዜ ዝቐረበ እዩ ዝመስል።

            ምስቶም ከደምቲ ኢሰያስ ፊት ንፊት ምስተራኸብና ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ቡዙሓት ናይ መንነት ቁሉውላው ዘሎዎም ሕሉፋት ክኾኑ ዝፍትኑ ጓንጓ ቅርብ ኢላ “ኣንቱም ሸይጥቲ ዓዲ” በለት። ወይለይ ዘይሓፍር ተዓዊቱ። ሓደ ለባም ብጻይና ኣይሓመቐን “ንኽትሸይጥን ንኽትልውጥን እኮ ቅድም ዋና ክትከውን ኣለካ” ኢሉ መለሰላ። ተፈሊጠ’የ ኢላ ድማ ኣብቲ ዘላቶ ቅዝዝ በለት። ሓደ ሓደ ኣንስቲ ሳላ ትኳቦ ኣሜሪካ ምስ ሰብ ዝተቖጸራ ዘይፈልጥኦ በሊዔን ዝሰርነቐን ማእከል ኢደን ከውጽኣ ርኢናየን። እዘን ክብሪ ኤርትራዊት ኣደ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ዘይብለን ትሩፋት ሓዳርን ገሳርጥ ናብራን ፋይቶታት ዝድግፍኦ ስርዓት ንህዝብና የማሓድር ምህላው ኣዚኻ ትሓዝን።

  ኣብ ፊትና ኮይነን ጥርጥር ዝብላ ዝነበራ ዘይውርዙያት ነተን ኣብ ሹቕ ድንሽ ኮሚደረ ዝሸጣ ዝነበራ “ኣደይ ኩሉ ብሓሙሽተ” ብዝብል ሳጓ ዝፍለጣ ናይ ዘመነ ደርጊ ሸቃጦ ዘዛኻኽራኻ ኣንስቲ ርኢኻ ግልብጥ ትብል እሞ ነተን ኣብ ጎንና ዝነበራ ሉዌት እዴታተን ዝተኸድና ንጽምኢ ማይን መግብን ጾመ ሮመዳን ተጻዊረን ንውጹዕ ህዝብና ድምጺ ዝኾንኦ ኣመንቲ ምስልምና ኣሓት ምስ ረኤኻ ከይፈተኻ “ያ ኣላህ” ትብል። ምዃን’ኳ ቀደሙ እተን ቀዳሞት ዕሙታት ቲቪ ኤረ፡ እተን ለባማት ዳሕረዎት ኣል ጀዚራ እየን ዝከታተላ። እተን ኣብ ጎኒ ኣሕዋተን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኮይነን ንሓቂ ዝግዕራ ዝነበራ ዳርጋ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዓቕሚ ነብሰን ዝተማሃራ እየን። ወረግ ገሊኤን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝቐሰማ እየን። እተን ሰብ ልቦና ኣሓት ነተን ሰኣን ምህሮ ከምቲ ኩውለዳ ከለዋ ዝነበሮ ዘይተለወጠ ብጥርኡ ዘሎ ኣእምሮ ዝውንና ኣሓተን ምስረኣያ ኣዝየን ከምዝጉህያ ርግጸኛ እየ። ፍልልየን ናይ ዓመታት ዘይኮነ ናይ ክፍለ ዘመን እዩ ብዘይምግናን።

  ህግደፍ እውን ከም ደገፍቱ ንእሽቶይ እያ መታልሑ። እንተዘይከውን ኣብ ሓንቲ ኣስላምን ክርስትያንን ተኸባቢሮም ዝነብሩላ፤ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ኣይንፈላለ ዝበሉ ሓርበኛታት ኢብራሂም ሱልጣንን ወልደኣብ ወደማርያምን ዝለገሰት መሬት እንዳነበረ ኣብ ጊዜ ሮሞዳን ፌስቲቫል ኣይመዳለወን። እቲ ክብሪ ሃይማኖት፣ ክብሪ ብሄር ኮነ ክብሪ ኣውራጃታት ኤርትራ ዘይብሉ ህግደፍ ኣመንቲ ምስልምና ጸይሞም ከለው ዳንኬራን ብላዕ ስተይን ምግባሩ ኣይገርመናን። ቀደሙ ካብ በጋሚዶ ዕዋላ ስርዓት ሕስረት እምበር ክብረት ዝጽበ ለባም የልቦን። እንተ ኣነ ብስም ኩሎም ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጥን ብስም ኩሎም ጀጋኑ ተቓለስቲ ኤርትራውያንን ንኩሉኹም ኣመንቲ ምስልምና ደቂ ዓደይን ደቂ ሩባይን “ሮሞዳን ከሪም” ይብለኩም።

          ነቲ ኣንጻር እኽብካብ ህግደፋውያን ዝገበርናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ዛዘምና ናብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ህግደፍ ዘዳለዎ ናይ ሓሶት ሰሚናር ገለ ኣባላት ማሕበርና ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከይተፈልጣ ኣተዋ። ሎሚ ንሕና ንህግደፍ ንፈልጦ ኢና ንሱ ግን ነታ ከም ሳግላ ትጥጥዕ ዘላ ማሕበርና ክፈልጣ ፍጹም ኣይክእልን እዩ። ሓደ መጋበርያ ኢሰያስ ዝኾነ ኣምባሳደር ድማ ኣስተምህሮ ሀበ። ድሒሩ እቲ ኣስተምህሮ ሓሶትን ቅጥፈትን ዝሃበ ኣምባሳደር መሓመድ ሱሌማን ሕቶታት ህዝቢ ንኽምልስ ነቲ መድረክ ኣፍቀደ።

 መንእሰይ መሪሕ ተንሲኣ ማይክሮፎን ድሕሪ ምሓዝ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘለው ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖት ኡሱራትን ኩነታት ኣብርሃለይ ክትብል ሓተተቶ። እቶም ርእሰ ተኣማንነት ዘይብሎም ደገፍቲ ህግደፍ ኣውጻያ ክብሉ ጀመሩ። ሓደ ኣሳሳይ መደብ ተንሲኡ ካብ ሕጂ ሕቶ ብጽሑፍ እዩ ክብል ሓበሬታ ሃበ። ማክዳ ዝተባህለት ካልእ ጓል ኣንስተይቲ መንእሰይ ተሲኣ ድማ ሕቶኣ መልሰላ ኢላ ነቲ ኣምባሳደር ኣጨነቐቶ። ሽዕኡ መሪሕ እንደገና ብምትሳእ ሕቶይ ይመለሰለይ ምስ በለት ስምረት ሓፍታ ንማክዳ ብናይ ሞባይል ቴሌፎን ካሜራ ነቲ ህሞት እንዳቐድሔት ነቲ መሪሕ ዘቕረበቶ ሕቶ ንኽምለሰላ ዓው ኢላ ብምሕታት ምስ ብጾታ ተጸንበረት። እቶም ነዚ ተቓውሞ ክጻወሩ ዘይከኣሉ ህግደፋውያን ነዘን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ኣንዳደፍኡ ኣውጽእወን። እዚ ኩነታት ድማ ስምረት ብናይ ሞባይል ተሌፎን ካሜራ ጌራ ክትቀርጾ ፈቲና ገሊኡ ምስኣ ይርከብ።

ፍሽለት ዝብሉኹም ከምዚ እዩ። ህግደፍ ሓኒኾም ተዋሪዶም ከም ኣመሎም። ደገፍቲ ህግደፍ ቁጹሮም ኣንቆልቂሉ ሞራሎም ተሰይሩ ዋላ እታ ማይ ሽኮር ክትኮኖም ዝተመነይዋ ወርቂ ቢሻውን ኣይግድን፤ ጸላእቲ ኣብዚሖም’ዮም። ወርቂ ቢሻ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ወይ ተኣጊዳ ወይ ተወጊዳ ከም እትሰምዑ ርግጸኛ እየ። ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ’ዩ። እታ መሾንቆቓ ትጸብብ እያ ዘላ ሃየ ኤርትራዊ ስንኻ ንኸስ። ካብ ህዝቢ ቤይ ኤርያ ኒሕን ሓቦን ስነቕ። ኣብ ቃሬዛ ብዘሎ ሬሳ ስርዓት ህግደፍ ስጋብ መዓስ ኢኻ ክትግዛእ። ንህግደፍ መንደፍ በሎ ደቂሱ እንከሎ። ካብዚ ዝሓይሽ ጊዜ ክመጻና ኣይንጸበ።  

ሕጅ’ውን ዓወት ንውጹዕ ህዝብና!

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,186 وقت التحميل: 0.22 ثانية