Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
    20 ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ግና &
أخبار

 20 ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ግና ሓዘን እዩ።

EYCmessageFestivalPFDJ 01.jpg

ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC)

             ዝኸበርካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ልባውን ሃገራውን ሰላምታና ነቐድመልካ። ኣብዚ እዋን ንዓና ንኤርትራውያን መዓልታዊ መነባብሮና ምስ ሞት፡ ስቓይ፡ ስደት፡ ማእሰርትን ግፍዕን ተኣሳሲሩሉ ዘሎ እዋን እቲ ደምካ ሰትዩ ዘይጸገበ፡ ገንዘብካ መንዚዑ ይኣኽለኒ ዘይብል ስርዓት ሕጂውን ብገዛእ ገንዘብካ ጊላ እከይ ተግባሩ ንኽትከውን ፌስቲቫል ኣዳልዩ ከም ኣመንዝራ ማዕጾ ከፊቱ ይጽበየካ ኣሎ። እቶም ኣብቲ በዓል ካብ ዝርከብ ኣታዊ ስልዕኦም ዘይስእኑ መጋበርያ ውልቀ መላኺ ዝኾኑ ኣባላት / ህግደፍ እውን ከምኡ ነተን ኣብ ጁባኻ ዘለዋ ርሂጽካ ዘምጻኻየን ገንዘብ እዮም ዘቋምቱ ዘለው። እሞ እዞም ብገንዘብ ሓፋሽ ሰብ ንብረት ኮይኖም፡ ብረብሓን ጥቕምን ዝዓወሩ ተበለጽቲ ሃገር ማዕቢላ ህዝብና ሓበን ይሰማዓካ እንተበሉኻስ ትኣምን?

             መንእሰያትና ብኣማኢት ኣብ ቀላይ መዲተራንያን እንዳጠሓሉን፡ ጎራዙትና መጻወቲ ከተርቲ ግብጻውያን በደዊን ኮይነን ዘስካሕክሕ ግፍዒ እንዳወረደንን ብርግጽ ክንሕበን ድዩ ዝግባኣናስ ወይስ ክንሓንኽ። ብሰንኪ ግስሩጥ ስርዓተ ምሕደራ ህግደፍ፡ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተደርብዮም እንዳረኣየን እንዳሰምዔን ዝሕበን ኤርትራዊ ሕልናን ኣእምሮን ዘይብሉ ጥራይ እዩ ክኸውን። ህዝብና ብደርቅን ዓጸቦን ተጠቒዑ ማህበረሰብ ዓለም ነቲ ሓቂ ፈሊጥዎ ከብቅዕ ህግደፍ ንህዝብና ተሓበን ብመግቢ ርእስና ክኢልና ክብሉዎስ ኣየገርመኩምንዶ። እታ ኣብ ዓለም ጋዜጠኛታት ብምእሳር ናይ ቀዳማይ ስፍራ ሒዛ ዘላ፡ ብጎረባብታ ተፈንፊና ማሓዛ ኣሸበርቲ ኣል-ሸባብ ኮይና ተሪፋ ዘላ ኤርትራና ሓፋሽ ህዝባ ይሕበነላ እዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ይከኣል?

            እቶም ብሸቐጥ ወይውን ምስ ጀነራላትን ኮሎኔላትን ብዘለዎም ቤተሰባዊ ዝምድና ሸርፊ ዶላር እንዳሓወሉ ገንዘብ ሓፋሽ ዝዘርፉ ዘለው ወይጦታትን ጎሓሉን ሕጂ መበል 20 ዓመት ሓበን ዝብሉስ ንመን ንምትላል እዩ። እንድሕር ኤርትራ ዘላቶ ደረጃ ዘሕብን ኮይኑ፡ ጠቕሊሎም ዓዲ ካብ ምእታው እንታይ ኣገዶም? እቶም ናይ ትማሊ ጎባልል ናይ ሕጂ ኣናጹ ህግደፋውያን ነቲ ኣብ እዋን ፌስቲቫልን በዓል ናጽነትን ዝገብሩዎ ሰሚናር ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ኣብ ዕጹው ውሻጠ ንኽገብርዎ ንምንታይ ተገዲዶም? ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ንሓሶቶም ዝሰምዕ እዝኒ ድሕሪ ደጊም ከምዘይብሉ ስለዝፈለጡ እዮም። / ጊደዎን ኣምጺኦም ዝወረዶም ፍሽለት ዝርስዖ ሰብ ኣሎ ኣይንብልን።

           እሞ ነዞም ኣሕዋት ኣሓትን ኣናቍቶም፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣፋቲሖም ብዘይ ፍቕርን ክብርን ንህዝብና ፋሕ ፋሕ ከእትውልና ዝምነዩ ሓተላ ህዝቢ ሕጂ ናይ መወዳእታን ንሓዋሩን ንዓራርቦ ገጽና ፎእ ንበሎም። እንተ ንሶም ሕንከት ስለ ዘይብሎም ጽባሕ እዚ ስርዓት ምስ ተወገነ፡ ኣነ ህግደፍ ኣይነበርኩን ኢሎም ቀዲሞምና ኣስመራ ክረኣዩ ከምዝፍትኑ ርጉጽ እዩ። እንተ ፍትሕን ፍርድን ግና ከረኻኽባሎም ተሪፉወን ዘሎ እዋናት ኣዝየን ውሑዳት እየን። እሞ ነዚ ክውንነት ደኣ ብኸመይ ክንገጥሞ ይግባእ ኢልካ ንነብስኻ ምስ እትሓትት እቲ መልሲ ቀሊል እዩ።

          እሕዋት ቱኒዛውያን፡ ግብጻውያን፡ ሊብያውያን፡ የመናውያን፡ ሶርያውያን፡ ባሕሬናውያን ኣብ ውሽጢ ማእከል ዓዶም ንጥይትን ታንክታትን ከይፈርሁ ህይወቶም ንለውጢ ከበጅው እንዳረኣና፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ስደት ብናጽነት እንነብረሉ ሃገር ኮይና ኣውያት ውጹዓት ዘይነስምዓሉ ኣብነት ኣይረኣየናን።  

         እቶም መሬት ብእዋኑ ንሓቂ ዝመጎቱ፡ ህግደፍ ክንጽልዎምን ከኽፍእዎምን ዝፈተኑ ደቂ ሃገር ሕጂ ብሓበን ደረቶም ነፊሖም ክኸዱ እንዳረኣኻ፡ ንስኻ ፈሊጥካ ከምዘይፈለጥካ ስለዝኸድካ እንታይ ረቢሔ ኢልካ እስከ ንነብስኻ ሕተታ? እታ ዓዲ ክትኣትው ክንሪእየኩም እንዲና ኢላ ትህድድን ተፈራርህን ዝነበረት መልሓስ ደኣ ሕጂ እንታይ ጉዳ ደሀይ ኣጥፊኣ? እወ ጊዜ ከምዝቐረበ ስለ እትፈልጥ እያ። እሞ እታ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እትፍጠር ዋናን ጊላን ዘይብላ ኤርትራ ጋህዲ ከምእትኸውን ንኹልና ይበርሃልና ስለዘሎ ንፌስቲቫል ህግደፍ ንኸይንሳተፎ ሃገራውን ህዝባውን ጻዊዒትና ነቕርበልኩም።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!       

  ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,907,989 وقت التحميل: 0.20 ثانية