Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ግፋ ናቶም መምርሒ ምልክት ናይ ፍር&#46
أخبار

ግፋ ናቶም መምርሒ

ምልክት ናይ ፍርሒ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንመንእሰያት ግፈፍዎም ኢሉ

ተቃውሞ ከየላዓዕሉ

ኢሂን ሚሂን ከይብሉ

መንእሰይ ከይሓትት መሰሉ

መንእሰይ እንተ ተላዒሉ

ስለ ዝፈልጡ ዓጋቲ ከምዘይብሉ።

ግፋ ዳኣሞ

ማዓስ ሕጂ ጀሚሮሞ

ኣብ ሜዳ ካኣሞ

ንኣዳም ገረሞ

ንሓረስታይ በዲሎሞ

ብግፋ ኣጃጅዮሞ

ድሕሪ ነጻነት እሞ

ብግፋ

ንተማሃራይ ኣደንዚዞሞ

ንለውጢ ከምዘይሓስብ ገሮሞ

ኣብ በረኻታት ጆሆ ሒዞሞ

ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ከይጥዕሞ

ሕማም ኩርምቲ ኮይኖሞ።

(እዚ ካብኮነ ናይ ህግደፍ ምሕደራ)

ሳዓብቶ ሕጂ ለብሙ

ካብ ገጋኹም ተኣረሙ

ኣይትስዓቡ ንሕድር ዝጠለሙ

ኤረትራዊ ክፍታሕ ጸገሙ

ቅሳነት ከስተማቅር ከም ዓለሙ

እንዳ ሰማዕኩም ኣይትጽመሙ።

ግፋ ናቶም መምርሒ

ምልክት ናይ ፍርሒ

ንሱዩ ኣብ ስልጣን መጽንሒ

ንሱዩ ናይ ጭፍራ መሳሪሒ።

(ጉዳም ምሕደራ ህግደፍ)

ጀነራል ሰራዊት ይእዝዝ እንበሪ

ጀነራልዶ ይኸውን ኣማሓዳሪ

ሹዑ እንድዩ ሃገር ዝኣተዋቁሪ

ግፈፍዎም ዘይመስሎ ነውሪ

ጠሊሙ ሕድሪ

ዝኾነ መደናገሪ

ስልጣን ኣይኮነን መንበሪ

ቋሕ በል ጠምት ንምድሪ

ሕድሪ ጀጋኑ ኩን ኣተግባሪ

(ጀነራላት ህግደፍ)

ምስ ኣማሓደርዋ

ኤረትራ ጨኒቕዋ

ምስ ህዝባ ከፊእዋ

ግን ኣለዉዋ

ካብ ምልኪ ዘድሕንዋ

ወላዲት ጀጋኑ ምኾና

ኣይትዘንግዕዋ

ንሕጂ እንተ ጸመዋ

ብማዕዶ ትጥምትዋ

ኣይምሰልኩም ዘይርህዋ

ክርህዋዩ ክርህዋ።

ድሕሪ ካዳዕ ዝኸዱ

ድሕሪ ምቅታል ልማዱ

መን ይጠሚ ኣይግዱ

መንጢሎም ዝሰወዱ

ምስ መራሒኦም ቢኢዱ

ምስ ተሰጎዱ።

ሹዑ

ነስተማቅሮ ፍረ መስዋእቲ

ዝተኸፈለ ስለቲ

ህዝቢ

ሓራ ክኸውን ካብ መግዛቲ

ስለ መረት ርስቲ

ነጻነቱ ከስተማቅር ምእቲ

ብሕጊ ክማጎት ክዝቲ።

እንታይ እሞ

ብኣንጻሩ ኮይኑ

ብናተይ ዝበሎም ተባታቲኑ

ዝበልናኩም ኩኑ

ምባል ገኒኑ

ጥር ኢሎም ዝፍትኑ

ክንዲ ሓያላን ክኾኑ

ኪዳን ዓዲ ጀጋኑ

ደቃ ከይተባታተኑ

ሕጂ ህዝባ ኣድሕኑ።

(ንኤረትራ)

ከም ናይ ኣድጊ ምስላ

ኣብሊዋዩ ዚ ጕሒላ

ዓቅሚ ከምዘይብላ

ነብሳ ክትክእል ባዕላ

ኣነ ዘይመራሓ ዋላ

ዳንደር ኣይትብቆላ።

እዚ እንዳ ሰማዕካ

ተዓዛቢ ዝኾንካ

ክጠፍእ መቦቆልካ

ትም ዝመረጽካ

ማዓስዩ ዝስቆረካ

እንዳ ኣጥፍኦ ንሓውካ

ቛሕ ኣብሎ ዓይንኻ

ኣስራሓዮ ሓንጎልካ

ዘክር ሕድሪ ጃጋኑኻ

ንጃንዳ ቀቢጽካዮም ክነስኻ

ዘይተስምዕ ተቃውሞኻ

ጸረ ቶም ደም ዝንቡዑኻ

ዓድኻ ክትሃንጽ ከድካ

ገንዘብካ ዝተሃገርካ

ጥራሕካ ዘፋነዉኻ

ክትምክቶም ትዕደም ኣሎኻ

በለጽ ገዲፍካ

ግጥ ኣብሎ ማዓንጣኻ

ምስ ሓው ሓፍትኻ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊትለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,907,924 وقت التحميل: 0.02 ثانية