Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣብ ስደት ትነብር ህዝቢ ብድቁስካ
أخبار

ኣብ ስደት ትነብር ህዝቢ ብድቁስካ

ባሕሪ ይጎስዕ ደም ኣሕዋትካ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ን20 ዓመታት)

ደድሕሪ ከዳዓት ዘብዘብ

ፋይዳ የብሉ መኽሰብ

ካብ ክልተግዝየ ምዝራብ

ኣቀዲምካ ያሓይሽ ምሕሳብ።

ብሕልፊ ተጋዳላይ ዝነበርካ

ኣብ ጀብሃ ሻዕቢያ ዝተቃለስካ

ዝረሳዕካ

ሕድሪ ሰማእታት ዝሃቡኻ

ምስ ህግደፍ ዝወገንካ

ዝሓለፈስ ሓሊፉ ልቢ ያሃብካ

ከይትባሃል ኣበይ ነርካ

ተባራበር ካብ ድቃስካ

ንድሕነት ህዝቢ ትዕደም ኣለኻ

ከም ቀደምካ ሰብስቦ እጅገኻ።

(መን ኣሎ)

ብምሕደራ ህግደፍ ዘይሓመመ

ኣጽኒቱና ተንኮል እንዳ ኣለመ

ንእለዮ ዝተረፉ ከይለከመ

ሃገርዶ ይመርሕ ርእሱ ዝሓመመ

ንዮው ንበሎ ሕድሪ ዝጠለመ::

ህዝቢ ኤረትራ ንነጻነትካ

ደም ደቅካ ደኣእንበር

ደም ኢሰያሳት ዶ ዊሒጁ 

ክሳብ ማዓስ ትጃጁ

ዕጥቕ ጸረ ንሰብ ጠበናጁ።

ንልእላውነትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ

የለን ብጀካ ንሱ መራሒ ሸፋቱ

ንህዝቢ ኤረትራ ግርዎ ርስቱ

ምስ ኣራዊት ኣይትጎተቱ

ምስ ደለይቲ ንለውጢ ክተቱ፡

(ሕጂ ግን)

ኤዲኪ ካብ ተበገሱ

ክሳብ ማዓስ ደምና ከፍስሱ

ኡኩባት ሰብ ብረት መራሒኦም ንሱ

ሕጂሞ ቀሪቦም ክፈርሱ።

እዞም ጭፍራ መልእኽቲ ኣለዎም

ንኤረትራዊያን ምጽናዩ ዕላማኦም

ብደገን ብውሽጥን ንግጠሞም

ይዳለዉ ኣለዉሞ ንመክቶም

ከየተግብሩ መልእኽቶም።

ምክልኻል ሓይልታት ኩኑ

ከም ኣያታትኩም ጀጋኑ

ርእስኹም ኣይተድንኑ

ህዝብኹም ኣድሕኑ

ደምኩም እንዳ ዋሓዘ

ተዓዘብቲ ኣይትኹኑ።

ኣብ ቃልሲ ዝበለየ

ነጻነት ከስተማቅር ዝተጸብርየ

ይብል ኣሎ ኤረትራ ዓደየ

ከይበልኩ ደኺመየ

ከይበልኩ ጠምየ

ጸላእቲ ኣባሪረ ጸላእቲ ኣጥሪየ

ነዚድየ ን30 ዓመት ደምየ

ነጻነትና ብጃንዳ ምስ ተጨውየ

ደም ጥዒሙኒ ይብልኣለኹ ወየ

ምፍተት ዉሑዳት ኮይና ዓደየ

ረዳኢ ሲኢኑ መንእሰይ እንዳ በኸየ

እጃምና ነበርክት ሃየ ሃየ።

ይቅጽል ኣሎ ምጥሓል መንእሰያት

መንእሰያት ክረኽቡ ቅሳነት

ይታኣለ ኢሰያሳዊ ስርዓት

ደቀን ካሓቁፋ ኣደታት።

ክሳብ ማዓስ  ደምና ክኮዖ

መንእሰይ ባሕሪ እንዳ ግፍዖ

ረዳኢ ሲኢኑ ዓሳ እንዳ በልዖ

ንህዝቢ ጃንዳ እንዳ ኣጋፍዖ

ኣውያት ህዝቢ ዘይንሰምዖ።

ኣይንረስዕ ናይ ስዉኣትና ለበዋ

ንኤረትራ ህዝባዩ ሓራ ገርዋ

ሕጂ ውን ንሱዩ ዝሕልዋ

ይደልዩ ኣለዉ ክባታትንዋ

ኣይትዓሽዉ ኣይትዓሽዋ

ደቂ ኤረይ ንሃገርና ንሓልዋ

ጭፍራ ኣሕሊፎም ከይህብዋ

ዋጋደምና የድልያሎ ሓለዋ።

ህግደፍ ሕጊ ኣልቦ

ምስ ልእላውነትና እንትይ ኣራኸቦ

ምኽኒት ግደፉ ግበሩ ኣላዝቦ

ሓደ ይኹን ድምጽና ዓለም ክጽቦ

ነጽድፎ ኢልና ሻንቦ ሻንቦ።

ኣብ ስደት ትነብር ወዲ ሃገር

ካብ ድቃስካ ተባራበር

ብተባህለ ኣይወድቅን ዲክታቶር

ከይተቃለስካ ዶ ብሰላም ይንበር

ግቡእካ ግበር

ዕርዲ ገበተ ክስበር።

እንተ ንተሓጋገ ዶ ደምና ዊሒዙ

ኣራዊት ሃገርና ብሕጊ ምተታሕዙ

መላኺ ክስዓር ደቂ ሃገር ሓግዙ።

ህዝቢ ደም እንዳነብዔ

ምስ ሰብ ገበን ዘጣቐዔ

ምስ ወግሔ

ንብኣት ሓርገጽ እንተ ነብዔ

ዓገብ ዘይሰምዔ

ፍርዱ ይቅበል ሰሚዔ።

ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቅጽል የራኽበና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,293,598 وقت التحميل: 0.18 ثانية