11
መንእስያት
ዓፋር
ካብ
ደሴት
ዳህላክ
ንወደብ
ኣልሓያ
ዝተባህለ
የመን
ምእታዎም
ተረጋጊጹ።
ብዕለት
07
ሓምለ
2011
ዓሰርተ
ሓደ
ኣባላት
ግዱድ
ወተሃደራዊ
ዕስክርና
መንእስያት
ዓፋር
ካብቲ
ጨቋኒ
ስርዓት
ህግደፍ
ብምህዳም
ካብ
ከባቢ
ዳህላክ
ብምብጋስ
ናብ
ኣልሓያ
ዝተባህለት
ወደብ
የመን
ምእታዎም
ተረጋጊጹ።
ምንጭታትና
ከም
ዝሕብርዎ
ምክንያት
መህደሚ
ናይዞም
መንእሰያት
እዚኣቶም
ነቲ
ኣብ
ባሕሪ
ዝተረኽበ
ዕጭኡ
ምርሻን
ምዃኑ
ዝተመሓላለፈ
ኣረሜናዊ
ውሳኔ
ስርዓት
ህግደፍ
ብምንጻግ፡
ኣብ
ከባቢ
ዳህላክ
ዓሳ
ንምግፋፍ
ምስ
ወረዱ፡
ፋይቨር
ዝዓይነታ
ወተሃደራዊ
ጀልባ
ንምህዳኖም
ምስ
ተጓየየት፡
ነብሶም
ንምድሓን
ኢዶም
ንሰበ-ስልጣን
ክህቦ
ምግዳዶም
ይሕብሩ።
ዕድመ
ናይዞም
መንእሰያት
እዚኣቶም
ካብ
15-28
ከም
ዝበጽሕ
ብድሕሪ
ምሕባር
ከኣ፡
ኣስማቶም
ከምዚ
ዝስዕብ
ምዃኑ
ብተወሳኺ
ኣረጋጊጾም።
1.
መሓመድ
ኣሕመድ
ፈርሰነ
2.
ዓብዱ
ኣሕመድ
ፈርሰነ
3.
ያሕያ
ዓብደላ
4.
ሓሰን
መሓመድ
ሮሞዳን
5.
ሙኽታር
ዓሊ
6.
መግቡል
መሓመድ
7.
መሓመድ
ዑስማን
8.
ዒሳ
ሓሰን
9.
ዓሊ
ሰዓድ
10.
መሓመድ
ሓጅ
11.
ኣሕመድ
ዓብደላ
ግፍዓዊ
ስርዓት
ህግደፍ
ኣብ
ልዕሊ
ህዝቢ
ኤርትራ
ብሓፈሻ
ዘካይዶ
ዘሎ
ኣዕናዊ
ፖሊስታትን
ተግባራትን
ብፍላይ
ከኣ
ነቲ
ዕለታዊ
መነባብሮኡ
ምስ
ውጽኢት
ባሕሪ
ዝተኣሳሰረ
ህዝቢ
ዓፋር
ንምብራስ
ኣብ
ባሕሪ
ምውራድ
ንምርሻን
ዘብጽሕ
ኣረሜናዊ
ውሳኔ
ብምውሳዱ፡
ነቲ
ህዝቢ
ንጥምየትን
ዓጸቦን
ክጋለጽን
ከምኡ’ውን
ካብ
መረበቱ
ክፈናቐልን
ይገብር
ኣሎ።
በዚ
ኣጋጣሚ’ዚ
ደሞክራስያዊ
ውድብ
ዓፋር
ቀይሕ
ባሕሪ
ነዚ
ኢ-ሰብኣዊ
ፖሊስታትን
ተግባራትን’ዚ
ብድሕሪ
ምኹናን
ንመላእ
ማ/ሰብ
ዓለምን
ተጣበቕቲ
ሰብኣዊ
መሰላትን
ንህዝቢ
ዓፋር
ንምድሓንን
ሂወት
ናይቶም
መንእስያት
ንምዕቋብን
ሓላፍነታዊ
ተርኦም
ክጻወቱ
ይጽውዕ።
ቤት
ጽሕፈት
ዜና
ደሞክራስያዊ
ውድብ ዓፋር
ቀይሕ
ባሕሪ
15/07/2011
Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office, Addis
Ababa- Ethiopia
|