Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
(ክልተ ኣርእስቲ ዝሓዘት ግጥሚ)
أخبار

(ክልተ ኣርእስቲ ዝሓዘት ግጥሚ)

ሬድዮ ወጋሕታ ከም ሽማ ወጋሕታ

ቀላቲ ኪዳነ ዶ ቀለታ ኪዳነ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሬድዮ ወጋሕታ ከም ሽማ ወጋሕታ

ልሳን ናይ ህዝብና ዋልታ

ንደሃይ ኤረትራ ሓልፋታ

ለበዋ ሰሚዕኩም ነቐፈታ

ግዝየኹም ተጠቐምሉ ከምቲ ናታ

ወጋሕታ

ንጭፍራ ዝከልኤት ኡፎይታ

ወግሔ ጸብሔ ንህዝቢ ትህብ ሓበረታ

ንህግደፍ ተንብዖም ማንታ ማንታ

ኣብ መላእ ዓለም ኣለዉ ሳዓብታ

ካብ ካላሽን ይሕይል ቃላታ

ፍናን ንህዝቢ ሓያይ መልእኽታ

ጸጽባሕ ትውርውር ኲናታ

ንመላኺ ከሊኣቶ ሩፍታ

ሲዒርኪያ ነታ ቲቪ ኤረ ኮታ

ዓሊ ዓብዱ ኣስመላሽ ኣማሓደርታ

ካብ ሓቃ ዝበዝሕ ሓሶታ

ኤረትራ ሕዛእቲ ጠላማት ኮይና ተዘሚታ

ብሰንኪ ቲ ለኽሞኛ በዚሕዋ ስምእታ

ኲናት እንዳ ጻሕተረ ምስ ጎራባብታ

ዓዲ ቶም ጃጋኑ ፍትሒ ክትስእን ኣለዎ ሃየታ።

ወጋሕታ ዋሃቢት ወረ ኣብ ሳዓታ

ብደገን ብውሽጥን ንጽበያ ብሃንቆውታ

ኩላ ጽንትብል እንተርነት ከፊታ

ኣንጎድጉድዮ ክሳብ ዝኸውን እልልታ

ወላዲት ቲ ጅግና ይሰማዕ ኣውያታ

ንስርዓት ማፍያ ኣጋልጽዮ ብዓውታ

መልሓሶም ኣንክስዮም ንበደልታ

ህዝባዊ ባርዕ ክልብልቦም ሃልሃልታ

ኤረትራ ከማሓድርዋ ደቀባታ።

___________(አመል ምስ መግነዝ)__________

ቀለታ ኪዳነ ዶ ኪዳነ ቀላቲ

ቀደም መሳርሒ ናይ ገዛእቲ

ሕጂ ሓደ ካብ ቶም ምስቲ

ገበነኛ ኢሰያስ ክንዝቲ ባሃልቲ

መርገጹ ዘይንጹር ሃውታቲ።

(መግለጺ ኤ.ዲ.ኪ)

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣሰንቢዱካ

ብክቱር ስንባደ ሃተፍተፍ ኢልካ

ንኹሉ ተናኺፍካ

ናብ ኣልተዳሙን መጺኻ

ሽም ቀይርካ

ክስታን ዶ ኣስላም ጀሚርካ

ብልቁባሽ ቲ ሕልምኻ

ኣባላት ተዳሙን ማዓስ ከማካ

ጉባኤ እዩ መሪጹና ዘይከማዚ ኸማኻ

ኣብ ባሕሪ ባራ ኢሰያስ ዝሸመካ

ዋህዮ ሰሪዑ ንኣውሮጳ ዝላኣኸካ

ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ተግባራትካ

ሕጂ ኸ እንታይ ክትደግም ደሊኻ

ቲ ዝተረፈ ከይድገም ትም ይሕሸካ።

(ህዝቢ ጸላእትኻ ኣለሊ)

ኢዚኦምዮም ዕድል ዝሃብዎ

ንገበተ ክሳብ ሎሚ ዝጽንሕዎ

ንቃልስና ዓወት ዝኸልእዎ

ሕጂሞ ዘበት ከድሕንዎ

ኣኺልዎዩ ኣኺልዎ።

ኪዳን ይኹን ተዳሙን

ድልዋት ኢና ህዝቢ ንምድሓን

ንስኻን ከምዚ ከማኻን

ሕምማት ብስልጣን

ተዳሙን ምስ ኪዳን

ንጹር ስትራተጂ ኢና ንውንን

መሳርሒ ናይ ዝኾነ ኣይኮናን

ኮና ውን ኣይንፈልጥን

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ግን

ሰላማዊዩ ቃልስና ኣይበልናን

ዕጥቅና ኣይፈታሕናን

ኣይክንፈትሕን ውን

ኣብ መጨረሻ ዓወትና ናይ ግድን

ሹዑ ቀለታታትን መሰልቶምን

መረት ጠሚትኩም ትብሉ ድንን

ንሕና ኣፍልብና ክንነፍሕ ንብል ኳዕነን።

(ኣብ መጨረሻ ልለበዋ ንህዝቢ)

ኣብ ስደት

እቶ ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓት

ምሱኡ ይሕተቱ ብክድዓት

ኣሕሊፎም ዝሃቡ ንሓርበኛታት

ብደገ ብውሽጢ ዑሱባት

ወይለኹም እዝኒ ከለዎም ጸማማት

ዓይኒ ኮሎዎም  ዑዉራት

ኣብ ዝባንኩም ኣሎ ናይ ህዝቢ ስንብራት።

ኤረትራዊ ናቱ ገደፉ ዘይናቱ ይጸዊ

ህዝቢ ይደሊሎ መርሃዊ

ኣብ ጉዳይካ ኣይትኹን መማዕደዊ

ሕጂ ይግባኣካ ክንዲ ህዝቢ ክተእዊ።

(ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቕጽል የራኽበና)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,280,091 وقت التحميل: 0.34 ثانية