Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ፖሎቲካዊ ሽማግለ ጋዜጣዊ መግለጺ
أخبار

ENCD March 2011.jpg

ፖሎቲካዊ ሽማግለ

ጋዜጣዊ መግለጺ

እቲ ዝካየድ ዘሎ ፖሎቲካዊ መስርሕ ንምምላእን ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስንዳእን መሰረታዊ ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ማለት (ፖሎቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብ፡ ሕገ-ህንጻን መሰጋገሪ ቅዋምን) ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ መጋቢት 2011 ዝተሰላሰለ ካልኣይ ኣኼባ ኮምሽን ብድሕሪ ምጽዳቑ ፖሎቲካዊ ሽማግለ እቲ ኣኼባ ዘጽደቆም መኣረምታ ንምክታት ተበገሰ። ብድሕሪኡ ከኣ ጽማቕ ኣፈጻጽማ ሰነዳትን ሰሌዳ ግዜን ብምድላው፡ ናብ ካልኣይ መድረኽ ንምስግጋር ብከምዚ ዝስዕብ ኣነጸረ።

1.  ካብ 23/03 ክሳብ 15/04/2011 ኣብ ዘሎ ግዜ ምእራምን ጽማቕ ኣፈጻጽማ ሰነዳት ምድላውን ነበረ።

2.  ካብ 16-26/04/2011 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝርኸቡ ኣባላት ኮምሽን ሰነዳት ምስዳድ’ዩ ነይሩ።

3.  ካብ 26/04 ክሳብ ሕጂ ዘለናሉ መድረኽ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኮምሽን ሰነዳት ዝመያየጥሉን ንህዝቢ ኤርትራ ንምስራጽን ዝተሰርዐ ግዜ’ዩ ነይሩ።

4.  ካብ 01/07-ክሳብ 31 ንሓሰ 2011 ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነዳት ዝወርደሉን ርእይቶታት፡ እርማት፡ መወሰኽታን መማረጺ ሓሳባትን ዝቐርበሉ ግዜ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝርኸብ ህዝብናን ፖሎቲካውያን ባእታታትን ምስ ሽማግለታት ኮምሽን ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናእድኡ እናገለጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓበይቲ ዕላማታቱ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ካብቲ ዝሓለፈ ንላዕሊ ብዕቱብ ክሰርሑን ክደጋገፉን ይጽውዕ።

ምስ ሰናይ ሰላምታ

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

ዓሊ መሓመድ ስዒድ

ኣቦ መንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

27/06/2011

www.encdc.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,436,200 وقت التحميل: 0.29 ثانية