Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ህጹጽ መጸዋዕታ
أخبار

 Red sea afar 2011.jpg 

ህጹጽ መጸዋዕታ

ኣብ  ኤርትራ  ብድሕሪ  ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዕለት 12 ሰነ 2011 ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቒ ለይቲ ኣብ መንጎ ከባቢታት ነብሩን መለዓልን ሲረሮን () ዝተባህለ ቦታ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ጎቦ ነብሮን ኩለሌን ኣብ (ባሳ) ዝተባህለ ቦታ ስዒቡ ዝተኸስተ እሳተ ጎመራን፡ ብስንኩ ዝወጸ ሓምኩሽቲ ንከባቢታት ደርደርታ፡ ሲብሎ፡ ዓሳ ዳባ፡ ዳህሙ፡ ዱፍለ፡ ከሚራ፡ ፈረስ ገሎ፡ ኣበል ተበይና፡ ኣቡዕ፡ ጉለሌን በልዓድን ብምሽፋኑ፡ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ እቲ ከባባታት ከቢድ ስብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ምውራዱን፡ ህዝቢ ከፈናቅል ምግባሩን ካብቲ ቦታ ዘመጸና ሓበሬታ የረጋገጽ።

 ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ቅድሚ ምኽሳቱ ኣቐዲሙ ብሎጂሎጂካዊ ትንበያ ብምፍላጡ፡ ንህዝቢ ከይሓበረ ቅድሚ 10 ሰዓት ኣብቲ ከባቢ ሰፊሩ ዝነበረ ስራዊቱ ጥራይ ብምውጽኡ ህዝቢ ከብርስ ዘለዎ ድሌት ዝምስክር ጭቡጥ ሓቂዩ።

ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ክፈጥር ምዃኑ ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ከይሓበረ ምዃዱ ጥራሕ ከይኣኽል፡ እቲ ሓደጋ ዝተፈጠረሉ ቦታ ንማዕከናት ዜና ይኹን ንገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ዕጹው ምዃኑ ብሰንኪ ምእዋጁ፡ እቲ ኩነታት ብልክዕ ከግልጽን ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ዝወረደ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከይፍለጥን ህዝቢ ዝድልዮ ሓገዝት ከይረኽብ ተሓሪሙ ኣሎ።

እዚ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተፈጺሙ ዘሎ -ሰብኣዊ ተግባር ንህዝቢ ናይቲ ከባቢ ንከቢድ ስቅያት ኣቓልዑ፡ ዕለታዊ መሰረታዊ  ጠለባት ከም ምግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒት፡ ክዳውንትን መዕቆብን ክስእን ኣገዲድዎ ይርኸብ።

በዚ መሰረት ከኣ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ኩሎም ማዕከናት ዜናን ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓደጋ ብግቡእ ብምርዳእ፡ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ብህጹጽ ንምሕጋዝ ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻውቱ ይጽውዕ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

16 ሰነ 2011

              Information & comm. Office ,Red Sea Afar Democratic Organization, Addis Ababa, Ethiopia+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: - www.dahlak.org

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,906,273 وقت التحميل: 0.18 ثانية