ህጹጽ
መጸዋዕታ
ኣብ
ኤርትራ
ብድሕሪ
ዘጋጠመ
ከቢድ
ምንቅጥቃጥ
መሬት
ብዕለት
12 ሰነ
2011 ሰዓት
10 ቅድሚ
ፍርቒ
ለይቲ
ኣብ
መንጎ
ከባቢታት
ነብሩን
መለዓልን
ሲረሮን
(ራ)
ዝተባህለ
ቦታ፡
ከምኡ’ውን
ኣብ
መንጎ
ጎቦ
ነብሮን
ኩለሌን
ኣብ
(ባሳ)
ዝተባህለ
ቦታ
ስዒቡ
ዝተኸስተ
እሳተ
ጎመራን፡
ብስንኩ
ዝወጸ
ሓምኩሽቲ
ንከባቢታት
ደርደርታ፡
ሲብሎ፡
ዓሳ
ዳባ፡
ዳህሙ፡
ዱፍለ፡
ከሚራ፡
ፈረስ
ገሎ፡
ኣበል
ተበይና፡
ኣቡዕ፡
ጉለሌን
በልዓድን
ብምሽፋኑ፡
ኣብ
ልዕሊ
ተቐማጦ
እቲ
ከባባታት
ከቢድ
ስብኣውን
ንዋታውን
ክሳራታት
ምውራዱን፡
ህዝቢ
ከፈናቅል
ምግባሩን
ካብቲ
ቦታ
ዘመጸና
ሓበሬታ
የረጋገጽ።
ምልካዊ
ስርዓት
ህግደፍ
ሓደጋ
ቅድሚ
ምኽሳቱ
ኣቐዲሙ
ብሎጂሎጂካዊ
ትንበያ
ብምፍላጡ፡
ንህዝቢ
ከይሓበረ
ቅድሚ
10ተ
ሰዓት
ኣብቲ
ከባቢ
ሰፊሩ
ዝነበረ
ስራዊቱ
ጥራይ
ብምውጽኡ
ህዝቢ
ከብርስ
ዘለዎ
ድሌት
ዝምስክር
ጭቡጥ
ሓቂ”ዩ።
ኣዕናዊ
ስርዓት
ህግደፍ
ሓደጋ
ክፈጥር
ምዃኑ
ንተቐማጦ
እቲ
ከባቢ
ከይሓበረ
ምዃዱ
ጥራሕ
ከይኣኽል፡
እቲ
ሓደጋ
ዝተፈጠረሉ
ቦታ
ንማዕከናት
ዜና
ይኹን
ንገበርቲ
ሰናይ
ማሕበራትን
ዕጹው
ምዃኑ
ብሰንኪ
ምእዋጁ፡
እቲ
ኩነታት
ብልክዕ
ከግልጽን
ኣብ
ልዕሊ
ተቐማጦ
ዝወረደ
ኩሉ
መዳያዊ
ሰብኣውን
ንዋታውን
ክሳራታት
ከይፍለጥን
ህዝቢ
ዝድልዮ
ሓገዝት
ከይረኽብ
ተሓሪሙ
ኣሎ።
እዚ
ብምልካዊ
ስርዓት
ህግደፍ
ተፈጺሙ
ዘሎ
ኢ-ሰብኣዊ
ተግባር’ዚ
ንህዝቢ
ናይቲ
ከባቢ
ንከቢድ
ስቅያት
ኣቓልዑ፡
ዕለታዊ
መሰረታዊ
ጠለባት
ከም
ምግቢ፡
ማይ፡
መድሃኒት፡
ክዳውንትን
መዕቆብን
ክስእን
ኣገዲድዎ
ይርኸብ።
በዚ
መሰረት”ዚ
ከኣ
ደሞክራስያዊ
ውድብ
ዓፋር
ቀይሕ
ባሕሪ
ንመላእ
ማሕበረ-ሰብ
ዓለምን
ገበርቲ
ሰናይ
ማሕበራትን
ኩሎም
ማዕከናት
ዜናን
ነቲ
ተረኺቡ
ዘሎ
ሓደጋ
ብግቡእ
ብምርዳእ፡
ነቲ
ግዳይ
ዝኾነ
ህዝቢ
ብህጹጽ
ንምሕጋዝ
ሓላፍነታዊ
ተርኦም
ክጻውቱ
ይጽውዕ።
ቤት
ጽሕፈት
ዜና
ደሞክራስያዊ
ውድብ
ዓፋር
ቀይሕ
ባሕሪ
16
ሰነ
2011
Information & comm. Office ,Red
Sea Afar Democratic Organization, Addis Ababa, Ethiopia+251913075764 (telephone)
+251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: - www.dahlak.org
|