Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ህዝቢ ኤረትራ ደቂሱ እንበር ማዓስ &#46
أخبار

ህዝቢ ኤረትራ ደቂሱ እንበር ማዓስ ሞይቱ

ክወጽእዩ ነብሱ ሰሪዑ ተዋሃሂዱ ብማዓልቱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኤረትራዊ ንሓርነቱ

ክወጽዩ ገለ ብሑጓ ገለ ብኣፍበቱ

ዓትዒቱ ምሳሩ ብረቱ

ህግደፍ ኣብ ውድቀቱ

እቶም ኣብ ከተማታት ዝሸፈቱ

ከም ኢሰባ መንገስቱ

ምስ ወግሔ ትሕተቱ

ህዝቢ ደቂሱ እንበር ማዓስ መይቱ።

(በዚሑ ዓጀውጆው)

ዝወደቑ ዲክታቶራት ምቑጻር ጀሚሩ

ተቓወምቲ ውድባት ስራሕኩም ግበሩ

ብደገን ብውሽጥን ሕበሩ

ኤረትራዊ ንህግደፍ ኣባሪሩ

ቀሲኑ ክነብር ኣብ ሃገሩ።

ጭጉራፍ ወቒዓ ተእዊ

ወዮ ኣረመናዎ

ብዘይ ሕጊ ሕጋዊ

ብዘይ ፍትሒ ፍትሓዊ

ወዮ ባርባራዊ

ሓሓሊፉ ዛኣጉድ ሓዊ

ባዕሉ ዝተሸመ ህዝባዊ

እንተ መሰለ ሃገራዊ

ምስ ወግሔ ኸ እንታይ ክጽዊ

ክስሕናዩ እቲ ዛኣጎዳ ሓዊ

ሹዑ ኤረትራዊ

ታሪኽ ጀጋኑ ኤረትራዊያን ንጸዊ

 መልሓሱ ይነክስ ቲ ሓሳዊ።

(ክንዲ ዘኾሎስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ)

ኩቡር ከቢሩ የኽብረካ

ሑሱር ሓሲሩ የሕስረካ

ሃገር ታሃዊኻ ብሰንክኻ

ነየነይቲ ጎረበት ዘይለኸፍካ

ሕጂሞ ተፈሊጥ ዕላማኻ

ምስ ጭፍራኻ

ቁጸር ማዓልትኻ።

(ብድሕረኻ)

ምስ ተቐንጠጠ ቲ ጸልማት

ከተማታት ይኹና ገጠራት

ሆየ ይብላ ሒዝርን ሽግ ሓርነት

ሹዑ ይትንተን ናይ ኤረትራዊያ ጅግንነት

ሹዑ ይድምደም ግዝኣተ ጥልመት

ሹዑ ይራጋገጽ ኤረትራውነት

ኣብ ምዕራፉ ይበጽሕ ሕልሚ ሰማእታት።

(ኣብ ኣስመራ ተሓቢእካ ፈኸራ)

ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ጊዒሩ

ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ተጃሂሩ

ከም ዝራብዕ ሕዛእቲ ዓፊሩ

ናይ ኤረትራ ሸፋቱ ህዝቢ ኣጥሚዮ ዝሃጠሩ።

(ጀጋኑ ኤረትራዊያን የውርዩ የውርያ)

ኣብ ዓሰብ ዝዋዓላ ዝዋዓሉ ይንገሩ

ክንደይ ትደፍሩ

ትንፈር እንበር ጠልያ ትብሉ ነታ ጭሩ

ታሪኽ ጀጋኑ ኣይተርፍን ተቐቢሩ

ፍጻሜታት ጀጋኑና ማዓስ ተነጊሩ

ከወጽእዩ ማዓልቱ ቆጺሩ።

ህዝቢ ኣይደቀሰን

እንዳበለ ኢድና ኣይተፈደናን

ሰማይ ጠሚቱ የስተንትን

መርገሙ ወዲቕካ ኣይትድሓን

ንኹሉ ክንበጽሖ ኢና ዳሓን

 ጥራይ ይጀምሩ ኪዳን።

ክወግሕዩ ከመይ ዘይወግሕ

ክስገርዩ ቲ ኩርኳሕ

ውዕል ሕድርያ ጽባሕ

ጥራሕ ብሓባር ንስራሕ።

(ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቕጽል የራኽበና)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ)

 ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም)

 ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,530 وقت التحميل: 0.24 ثانية