Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ካብ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፣ &#466
أخبار

ካብ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፣ ስዊስ

ናጽነትና ክነስተማቕራ

ዕስራ ሰኔ ብቓልሲ ንዘክራ፣

ክቡር ህዝብና!

 

20 ሰኔ መጺኣ። ኣብ’ዚኣ ዕለት፣ ስእሊ ሱዉኡትና ሒዝና፣ ሸምዓ ወሊዕና፣ ብመንፈስ ንዛረቦም መዓልቲ ኢያ። እንታይ ኮን ክንብሎም ኢና? ሕድሮም ከም ማይ ፈሱሱ፣ ስድራቤታት ኤርትራ ገለን ተኣሲሩ ገለን መይቱን ገለን ተሰዲዱ፣ ኣረመኢናዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ነጊሱ ከም ዘሎ እንተንነግሮም ምኣመኑናዶ? እቶም ምስ ሕልንኦም ዝበተኹ እኳ ኣየሕፍሮምን ይኸውን። “ኣባ ገነን መራሒና ኣብ ኩርሲ ኣሎ፣ ንሕና ኸኣ ኣብ ባዓላት ንጭፍርን ንስዕሲዕን፣ 2% ከኣ ገዛናን ዓዲ ምኻድን ከይከልኡና ንኸፍል፣ መንግስቲ ኤርትራ ወላ ንሚእቲ ዓመት ምርጫ ኣይግበር፣ ህግደፍ’ውን ከምኡ ናይ መሳፍንቲ ዝፋን ይኹን፣ እሱራት ፖሎቲካ ኣይንፈልጥ፣ እምነት ኣይግድሰና፣ ምስ መራሕና ንቅድሚት ንብል ኣሎና ክብሉ ኣይሓፍሩን ይኾኑ። መራሒ ህግደፍ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ክቕይር፣ ትማሊ ዘበላ ሎሚ ዘይደግም፣ በትሪ እንተረኣየ ኣብ ብርኪ ዝወድቕ ንህዝብና ይኹን ንሃገርና ንጥፍኣት እናመርሔ ከሎ፣ ሸምዓ ሱዉኣት ኢሎም ከብርሁ ክሳብ ክንደይ ድፍረት ንሱዉኣትና ማዃኑ ሎሚ ዘመን ይስቆሮምዶ ይኸውን? ሃገር ፍትሕን ሰላምን ተሓሪሙዋ፣ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ እሞ ንሱ ድማ ስንኩል ሓንጎል ከም ዘላ ሱዉኣትና ከም ጎይታና ክርስቶስ ካብ ሞት ብድድ ኢሎም እንተዝርእዩዋስ፣ እንታይ ምበሉ? ከም ኣመንቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ መንፈስ ከም ዘሎ ንኣምን። ጎይታና “ኣንቱም ሓሚመ ኢለኩም ዝበጻሕኩምኒ፣ ብዘይፍትሒ ተኣሲረ ዝዘረኹሙለይ፣ ሓዚነ ዘጸናናዕኩምኒ፣ ጠሚየ ዝዓንገልኩምኒ፣ ብሓሶት ኣሲሮምኒ ሓቂ ዝመስከርኩም፣ ኣብ የማን ኢደይ ኮፍ በሉ ዝብለላ ዕለት’ውን ተረሲዓ። ኣንቱም ንሕልናናን ንመንፈሳዊ ሂወትናን ዝጠለምና ብበለጽ ዝዓወርና መንግስቲ ነባሪ ኣይኮነን። ሱናሚ ህዝባዊ ማዕበል ንዲክታቶራት ሓደ ብሓደ ክኽንብሎም ንርኢ ኣሎና። ኣብ ሃገርና’ውን መኣስ ከም ዝትኮስ ወይ ዝኽውን ኣይፈልጥናን እንበር ናይ ግድን ክኸውን ኢዩ። ኢሳያስን ጉጅሌኡን ክሃድሙ ኢዮም። ዓለም ከም ዓይኒ ዕንቍ ክትጸቦም ኢያ። ኣብ ስዊስ’ውን ፈስቲቫል ክግብሩ ብወተሃደር ክሕለዉ ሪኢና። ኣብ ሃገር’ውን ዝረገጽዋ መሬት ትጠልሞም ኣላ። ኣብ ልብኹም ተመለሱ ህዝቢ ኤርትራ ኣይበደለኩምን፣ ኣይተንኮሎኩምን። ደቑ ን16 ዓመት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ክጉተቱ፣ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሉ ዝወጽኡ ከኣ ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ክኾኑ ከሎው፣ ምጽቓጥ ጽድቒ ኣይኮነን ሃገራዊ ሓልዮት’ውን የብሉን። ነቲ ስጋና ክቐትል ዝኽእል ፈሪሕና፣ ነቲ ንነፍሲና ከተረፈ ክቐትል ዝኽእል ጎይታ ትእዛዛቱ ንጥሕስ ኣሎና። ኣይንፈርድን ዘሎና ነዘኻኽር እንበር።

እንበኣር ንዕስራ ስኔ ንምዝካር ንዕለት 19 ሰኔ ስነበት ልክዕ ሰዓት 18፣30  ኣብ ፓርቲ ኮሙኒስቲ ጎደና ቭየይ ብልያርድ ቑጽሪ 25 ናይ ሰማእታት ሸምዓ ክንውልዕ ኢና። እዚ እድራሻ ፊት ቤት ጽሕፈት ፕሮተስታንት’ዩ።

ሓጺር ገምጋም ከኣ ክንገብር ስለ ዝኾና፣ እዚ ጻዊዒት ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኢዩ። በበይንና ኮና “ዓሕ” ምባል ኣብቒዑ ንህዝብናን ዘደሚ፣ ንሃገርናን ንቑልቑል ዝነቑት ዘሎ፣ ፋሺሽታዊ ስርዓት ክንውግድ፣ ሓባራዊ ቐጽሪ ሓርነት ኣብ ስዊስ ክንቑዉም ንጽዕር ኣሎና። ሱዉኣትና ብደሞክራስያዊት ኤርትራ  ክንድብሶም ተተዓጠቅ ንብል።

ብደሓን ምጹ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሱዉኣትና!

ብማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ስዊስ፣

Wednesday, June 15, 2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,278,703 وقت التحميل: 0.25 ثانية