Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ን30 ዓመት ዝተቓለስናዮ ጸረ መግዛእ&#4
أخبار

ን30 ዓመት ዝተቓለስናዮ ጸረ መግዛእቲ

ብምልኪ ክትካእ ኣይተኸፈለን መስዋእቲ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ውጽኢት ናይ 30 ዓመት ቃልስናስ ዲክታቶር)

ተቃሊስና ንነጻነት ንሓርነት ጸረ መግዛእቲ

ብምልኪ ክትካእ ኣይተኸፈለን መስዋእቲ

ኪዳን ህዝቢ ኣድሕኑ ካብ መታለልቲ

ኤረትራ ኮይና ናይ ውሑዳት ሕዛእቲ።

ተቓወምቲ ውድባት

ያኣክል 20 ዓመት

ብማዕዶ ምጥምማት

ህዝቢ ኣድሕኑ ካብ ጥፍኣት

ዓጢቕኩም ኣዕጡቑና ጸረ ከዳዓት

ሕጂ ይታኣለ ናይ በረኻ ስርዓት።

ሕጂ ኣይትበሉ ሎሚ ጽባሕ

ምድሕን ኩኑ ስርሑ ስራሕ

ንድሕነት ህዝቢ ኣይባሃን ይጽናሕ

ብጭፍራ መንእሰይ ኢሉ ፋሕ ፋሕ።

 (ህዝባዊ ናዕቢ)

ኣባና እንተተጀሚሩ

ጭፍራ ሶሙን እኳ ኣይገብሩ

ሕንሳብ ንሓዋሩ

ስርኣት ዓዋሉ ያሓጽር ዕምሩ።

(ሹዑ)

ኣብ ኤረትራ ስርዓተ ሕጊ ይነግስ

ህዝቢ ቀሲኑ ይድቅስ

ሓረስታይ ይሓርስ

ሓሪሱ ምህርቱ ያሓፍስ

ጥምየ ዳሓንኩኑ ሽሻይ ይፈስስ

ይኸውን ደስደስ።

እዚ ክኸውን ግን

ኤረትራዊ ድሞክርስያዊ ኪዳን

ተዓጠቑ ህዝቢ ንምድሓን።

(ኪዳን)

ደጊም ናባኹምዩ ጠመታና

ተዋሃሂድኩም ኣድሕኑ ህዝብና

እንታይ ትጽበዩ ክሳብ ዘጽንተና

ይብል ኣሎ መንእሰይ ድንጉዮምና።

ንደገ ምስ ወጸ ወዲ ሔማ

ኤረትራዊ ማህጸን ሓሚማ

ኣደ ስዉእ ተጠማ

ምስ ሓደረት ጾማ

ትራገም ኣላ ንሱዩ ቲ ዓቕማ

ንኢሰያስ ምእላይዩ ገዝማ።

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘብርከታ እጃመን

ሕጂ ውን እንቢ ንምልኪ ክብላ ዊዒለን

ናይ ሓዘን ምልክት ጸሊም ተኸድነን

ብሞት መንእሰያት ኢሰያስ ተሓታቲ ኢለን

ንሰላማዊ ሰልፊ ግርማ ሂበነኦ ዊዒለን ንሰን።

(ኣይፋል)

ህግደፋዊያን በዚሑ ሓፍሓፍ

ሕማቕ ታሪኽኩም ኣሎ ይጸሓፍ

ካብ ባዓል ጣፍ ባዓል ኣፍ

ንዲክታቶር ምድጋፍ

ካብ መሪጽኩም ምሱኡ ምጽዳፍ።

ውጽኢት ቃልስናስ ዲክታቶር

ነስተውዕል እሞ ንባራበር

ህዝቢ ሃገር

ከይተባታተን ገለ ንግበር።

ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ፋሕ ኢልና

ክሳብ ማዓስ ክነብር ከምዚልና

ቀያሕትን ጸለምቲን ዝከፈልና

ንልእላውነት ጥራይ ድዩ ነይሩ ቃልስና

ንበል እባ ኣበይ ኣሎ ሓርነትና።

30ን 20ን ምስ ተዳማመረ) ቅድሚ ቱኑዝያ ምስሪ የመን ልብያ)

ንሕና ኢና ጀመርቲ ክንከውን ዝግባእ ዝነበረ ደቂ ኤረ፡ የሎን ከማና መግዛእቲ ዝመረሮ ከም ዕረ።

ዶ ብምሕድራ ጭፍራ ዑጉባት ኢና

ኣይፍል ደም እባ ጢዒሙና

በሉ እንቢ ንምልኪ ንበል ሓቢርና

ኣባይ ጉሒፍና ክንከውን ዋናታት ሃገርና።

(ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቕጽል የራክበና)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ) ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)

 ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለን)

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,905,534 وقت التحميل: 0.25 ثانية