Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
10/10/1445 (18 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ &#4771
أخبار

ENCD March 2011.jpg

ER REF AXUM University.jpg

ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ ሃገርዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋት ምስ ኮምሽን ክሰርሑ ሙካኖም አረጋጊጾም።

ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምሕባርን፡ ህዝብና፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዘተኣማምን ኣብ ምዕዋት፡ ንቑሕን ሰፊሕን ተሳትፎኡ ከረጋግጽ ንምብቃዕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሩዎ ወፍሪ ብምቕጻል፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣኼባ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ብ29 ግንቦት 2011 ኣካይዶም።

ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን፡ ምስ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ፡ ድሕሪ ምልላይ፡ ብቐዳምነት ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ብመሰረት ዋዕላ ዘመሓላለፎም ፖሎቲካዊ ውሳኔታት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ህዝብና ወሳኒ ተሳትፎ ዘረጋገጸሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስልሳል ተጀሚሩ ዘሎ ቅድሚ ምድላው ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቦም። ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት፡ ካብ ምይይጥ ንድፍታት ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ሕጸን መረጻን፡ ህዝብና ክህልዎ ዝግባእ ወሳኒ ተሳትፎን ሃገራዊ ጉባኤና ኣብ ምዕዋት ናይ ህዝብና ኣበርክቶ ክዓዝዝ ዘሎ ተደላይነትን ገሊጾም። ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ከም መንእሰያትን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ብምዃኖም፡ ህዝብና ዓቢይ ትጽቢት ስለ ዝገብሩሎም፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት፡ ካብ ቅድመ-ምድላው ጀሚሮም ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ጻውዒት ቀሪቡሎም።

ኤርትራውያን ተመሃሮ  ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ፡ ዝቐረበሎም መብርሂ ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ዝተወሃቦም ዕድል ብምምስጋን መብርሂታት ዝደልዩሎም ኣገደስትን እዋናውያንን ሕቶታት ኣቕሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂቡዎም። ኣብ’ዚ ኣኼባ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝሃቦ ኣገዳሲ ርእይቶ፡- ‘’ኣነ ኣብ ሃገረይ ሰላም ረኺበ ተማሂረ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጺሐ፡ ንባዕለይን ንህዝበይን ክጠቅም ምደለኹ፡፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ ሃገረይን ዝፈትዎም ስድራይ ተፈልየ ንስደት ተቓሊዐ ኣሎኹ። ሎሚ ጽቡቕ ዕድል ረኺበ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሃበና ዕድል ትምህርተይ እቕጽል ኣሎኹ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ በዝሒ ውድባት፡ ዝረአዩ ፍልልያትን ኣብ ልዕሊ ውልቀ መራሕቲ ዝበሃልን እናዘከርኩ ከስቆንቁን ኣይደልን። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከሰጋግረና ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡ ስለዚ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምስልሳል ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምዕዋት፡ ብኩሉ ዝከኣለና ክንጽዕር ኣሎና በሃሊ እየ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ፡ ነዚ ጀሚርናዮ ዘሎ ትምህርቲ ተዓዊትናሉ ክንወጽእ ዝከኣሎ ምትሕግጋዝ ክገብረልና እጽውዕ’’ ክብል ሓሳቡ ደምዲሙ። እዚ ርእይቶ’ዚ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ምዃኑ ብዘቕረቡዎ ተወሳኺ ሓሳባት ኣረጋጊጾም እዮም።

ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን፡ ናብ ካልኣይ ኣጀንዳ ብምስግጋር፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ፡ ነዚ ረኺቦሞ ዘሎዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብዓወት ኣብ ምዝዛም ዓበይቲ ጸገማት ኮይኖምና ኣሎዉ ዝብሉዎም፡ ብኩሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብሰብ ሃብቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ደገፍ ክገብሩልና ይግባእ ኢሎም ዝርእዩዎም ክሕብሩ ዝዓለመ እዩ። ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ብፌደራላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡን ብዓቕሙ ዝገብረሎም ዘሎ ምድግጋፍ ዘለዎም ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ካብ ኤርትራውያን ወገናቶም ዝጠልቡዎ ምትሕብባር ብዝርዝር ኣቕሪቦም። ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ብተመሃሮ ዝቐረቡሎም ናይ ምትሕግጋዝ ሕቶታት ብግቡእ ብምምዝጋብ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበረሎም ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም ኣረጋገጹሎም። ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ቅድመ-ምድላው ንጡፍ ተሳትፎኦም ከረጋግጹ ተተሓባብር ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ሽማግለ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ዞባ ኣፍሪቓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

31 ግንቦት 2011

www.encdc.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,265,285 وقت التحميل: 0.19 ثانية