Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ ሻዱሻይን ዛዛምን &#483
أخبار

DEMOCRATIC FRONT FOR ERITREAN UNITY1.jpg 

USA BRANCH

ደምዳሚ መግለጺ

ሻዱሻይን ዛዛምን ዞባዊ ጉባኤ ህደግኤ ሰሜን ኣመሪካን

ቀዳማይ ዞባዊ ጉባኤ ደግሓኤን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 ድሕሪ መስመሪ ጉባኤ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)ን ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ተሃድሶ ኤርትራ (ሰደተኤ)ን ካብ 16-19 ታሕሳስ 2010 ብዓወት ምዝዛሙ፣ ቀዳማይ ዞባዊ ጉባኤ ደግሓኤ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ 28-29 ግንቦት ብዓወት ተሳላሲሉ።

ጉባኤና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት እጃሙ ከወፊ ኣብ ጉዕዞ እንዳሃለወ ብሓደጋ  መኪና ንዝተሰወአ ምክትል ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ኣካልን ማእከላይ መሪሕነትን ህደግኤን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ዝነበረ ብስም ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ተስፋሁነይ መስፍን ክጽዋዕ ወሲኑ። ብሰንኪ ዲክታቶር ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ናብ ፈቐዶ ምድረ-በዳን ባሕሪን ብጃምላ ንዝጠፍኡን ዝስውኡን ንዘለዉ ኤርትራውያን ወሲኹ ጉባኤና ናይ ኵሎም ስዉኣትና ብናይ ሕልና ጸሎት ተኸፊቱ።

ቀዳማይ ዞባዊ ጉባኤና ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ናዕቢ ሃገራት ኣስያን ኣፍሪቃን ኣንጻር መለኽቲ ሓይልታት ዘንቀጥቅጥ ዘይሕለል ናይ ሓፋሽ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ይካየድ ብምህላዉ ንህዝብና ዓቢ ተስፋ ዝህብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝተጠልመ ደሞክራስያዊ መሰላቱ ዝመልሰሉን ዓጢቑ ዝሕልወሉን “ንወስን” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ ተበጊስሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይግበር ብምህላዉን ብዓይነት ናይ ተሳተፍቲ ኣባላቱን ናይዚ ዓመት’ዚ ኣዝዩ ፍሉይ ይገብሮ።

ዞባዊ ጉባኤና ዕዙዝ ኣትክሮ ካብ ዝግብርሎም ነጥብታት ሓደ እቲ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣድራዕ ኩነታትን ሕሱም መከራን መንእሰያት ኤርትራ ፍቐዶ በረኻን ቀላያትን ዝጠፍኡሉ ኣሰቃቒ ኩነታትን ብዕዘት ድሕሪ ምምዛን መዋጽኦ ናይ’ዚ ሽግር እዚ ኸኣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነዚንሃገር ናብ ዕንወት ዘምርሕ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ምድምሳስን ምውጋድን ኢዩ፣ ከመይ’ሲ እዚ ዲክታትርያዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎ ማለት ዘበት እዩ።ስለ ዝኾነ ኩሉ ደላይ ለውጢ ንሕቶ ሓድነት ህዝባዊ ማእክሉ ገይሩ ምስ ዝቃልስ ጥራሕ’ዩ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ኤርትራ ክርጋገጽ ዝኽእል ብምባል ኣስሚርሉ።

  • ዞባዊ ጉባኤና ሓድነት ናይ ክልቲኡ ደሞክራስያዊ ውድባትና ህድግኤ/ሰደተኤን ነቲ እዋናዊ ጠለብ ህዝብና ስለ ዘማለአ ንሞግስ።

  • ከምኡ’ውን ለውጣዊ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝወስዶ ቅኑዕን እዋናውን ናይ ምጽንባር ኣብነታዊ ስጉምቲ እናመጎሰ፡ ዝተርፉ ካልኦት ውድባትን ምንቅስቃሳትን ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ብምኽታል ምስ ዝመስልዎም ውድባት /ምንቅስቓሳት ክሓብሩ ንላቦ።

ዞባዊ ጉባኤና ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲዊ ለውጢ ዕውት ኩይኑ ንኽወጽእ ዘልዎ ተስፋን እምነትን እናገለጸ ንምዕዋቱ ኣባላት ውድብና፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ምስ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ከዕውቶ ከም ዘለዎ ግብኡ ምዃኑ ርእዩ።

ውድብና ኣብ ጉዳይ ሓድነት ዘርእዮ ዘሎ ቅኑዕ ተበግሶታት እናመጎሰ ምስ ኩሎም ብኣተሓሳስባን ተግባርን ንዕኡ ምስ ዝመስሉ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ንህዝባዊ ረብሓ ዘርጋግጽ ስለ ዝኾነ ኣብ ጎኑ ኩይኑ ዘይሕለል ቃልሲ ከካይድ ምኻኑ ዞባዊ ጉባኤና ኣዕሚቑ ረጊጽሉ ።

ጉባኤና ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ንዘለው ኣባላት ውድብን ሰራዊትን ንዘብርክትዎ ዘለዉ ተባዕ ጅግንነታዊ ቃልሲ እናኣምጎሰ፡ ነቲ ቃልሲ ንምሕያል ካብ ኣባላቱ ዝጥለብ ዘበለ ከማልእ ምዃኑ ኣርጋጊጹ።

መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዩን ዘይተሳተፍዎ ቃልሲ ስለ ዘይዕውት ብደሞክራስያዊ ኣረኣያታት ነቒሖም ኣብ’ዚ ውሳኒ መድረኽ’ዚ ሽግ ሓድነት ኣልዒሎም ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ዝኸፍልዎ ክቡር መስዋእትነትን ሕድርን ተሰኪሞም ሃግርና ክርህዋ፡ ህግድፍ ንምዕናው ዘይሕለል ቃልሲ ከካይዱ ጉባኤና ይጽውዕ፡፡

ኣብ መዛዘሚ ዞባዊ ጉባኤና፡ ጉባኤኛታት ብደሞክራስያዊ መንገዲ ንክልተ ዓመት ዘካይድ መሪሕነት ዞባን ተጠባባቕን ኦዲትን ብምምራጽ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምምሕልላፍን ጉባኤና ብዓወት ተዛዚሙ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/

29 ግንቦት, 2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,906,317 وقت التحميل: 0.22 ثانية