Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ / &
أخبار

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 19 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(እወ)

(ጃንዳ ህግደፍ ምስ ፈረሰ ሓቀኛ ሽግ ሓርነት ይውላዕ)

ብጸጊበ ዝይብል ሃንጎሊማ

ሃገር ምስ ህዝባ ተጠሊማ

ወዲ ወሰን ካኣቱ ንደገ ደቂ ሔማ

ኤረትራዊት ወላዲት ሓዲራ ጾማ።

ሓርበኛታት ዉጉኣት ሰነድ ሰውራ

ንኤረትራ ንሳቶም ክብራ

ሕጂዶ ኣብራኾም ዶብ ምሰገራ

ኣይካኣልዎን መሪርዎም ናብራ

ተዃሉ ምስ መርሕዎ ንኤረትራ።

(ንሰነድ ሰውራ ሰሚዕክምዎዶ)

ካብታ ሓራ ዝገበራ ሃገሩ ተሰዲዱ

ብጃንዳ ህግደፍ ተዋሪዱ

እቲ ሓርበኛ ንሃገሩ ዝሃበ ኢዱ

ብደም ባዓልመን ይሕተቱ ነጊሩ ኣግሂዱ።

መንእሰያትና ቀሲኖም ክነብሩ

ኤረትራዊ ክከውን ዋና ሃገሩ

ክከውን ዋና ቀይሕ ባሕሩ

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ይባረሩ።

ንብረት ሃገር ዘሚቱ ከይሃደመ ቢኢዱ

ሕነ ክንፈዲ ተዋደዱ

ንቢኢዱ ክነፍርሳ ዕርዱ። 

ብጀካና የሎንዶ ዘእዊየላ

ሃገር ትተርፍ ኣላ

መንእሰያት ዘይብላ

ንህግደፍ እባ ያዕ ንበለላ።

ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ

ዘረባ የብቅዕ የብቅዕ

ንሳማማዕ ንሳማማዕ

ሽግ ሓርነት ክውላዕ

ክነተግብር ሕድሪ እኒ ረባዕ።

ኣባ ኣጎስቲኖ ኢሎም ነሮም

እቲ ኣርወ ከይቅድመኩም

ሕሰቡ ከየጽንቶ ዓደቦኹም

ኢሎም ንሶምስ ተላቢዮም

ዕላምኡ ፈሊጠሞ ኣቐዲሞም።

ኣባ ኣጎስቲኖ ሰማዒ ኣረኸቡን

ኤትራዊ ንኣርወ ኣየስተባሃልናሉን

ንሽኽ  እንታይ ይሰብኽ ይብልዎ ጽን

ንቀሺ  ከም ከልቢ ይብልዎ ፊንፊን

ነስላማይ ንክስታናይ ይብልዎ ንዓና እመን

ብሕጊ ኣልቦ ክንግዛእ ሃየንታዶ ይኮነን

ለበዋ ኣባ ኣጎስቲኖ ኣይተተግበረን።

ዎዮ ዝበልዎ እንበር ኮይኑ

ሕልሚ ኤረትራዊያን በኒኑ

ናጽነትና ንኢሰያስ ንበይኑ

ንኤረትራዊያን አብ ባርነት ቆሪኑ

ብጠበንጃ ንህዝቢ ርእሱ አድኒኑ

አብ ኤረትራ ንጊሱ ቢኢደወነኑ

ሓደ ጅግና ዝቅርስሞ ሲኢኑ።

ናብ ጠበንጃ አይተማዕድዉ ዝብሉ ሊኢኹ

አብ ውሽጥና አትዮም ዘሕለኽልኹ

አብ ስልጣን ክጸንሑ ዕድመ ክውስኹ

አዘንጊዖም ዝናኸሱ ለመምታ ሓሳኹ።

(ነዚኦም ክነጋልጽ)

የድሊሎ ሓቀኛ መኸተ

ዓደቡኡ እንዳ ጸነተ

ጸረ ህግደፍ ዘይከተተ

ብደዉ ከም ዝሞተ።

ሕጂ ኸ ተማሂርናዶ

ያኣክል ምጥማት ብማዕዶ

ጥርናፈናዩ ዘዕበድብዶ

ሆ ኢልና ንዲክታቶር ነውርዶ።

ሽግ ሓርነት ደሞክራሲ

ይራጋገጽ ብቃልሲ

ህግደፍዩ ጽባሕ ፈራሲ

ኤረትራ ደቅኺ ሓቝፍካ ክትድቅሲ።

ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ)ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም)

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,376,990 وقت التحميل: 0.26 ثانية