Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ተለዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበ&#484
أخبار

ተለዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ንማዕበል ሓፋሽ የብሉን ዓጋቲ

ሓሙሻይ ክፋልን መወዳእታን

ብ.ገረምካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

ዘስደምምዩ ዘገርም ዘረባ ለብዘበን

ዓገብ ንዝበሉ ዝሓስቦ ከም ገበን

ዝተባህልካዮ ፈጽም ዝበልኹኻ እመን

እቶም ገለን ብስምዒት እቶም ገለን ብወገን

ንሕማቕ እዋን በዓልጋዕሳ ኣለዋ ተካል ዘበን

ጉዳይ ሃገር ዝኣክል ብሓደ ሰብ ክውሰን

ብመደብ ከጥፋኣባ መታን ከይንስስን

ደቂ ወሰን ኣኻኺቡ ደቀባት ዘዋስን

ሳዋ መስሪትሎም ህዝብና ከይቀስን

ሰፈራ እንዳበለ ዓድታት ዝበታትን

ብልእላውነት ኣመኽንዩ ህዝቢ ዘረሳስን

ንለውጢ ዝሓተተ ኣብ እስሪ ቤት ዘማስን።

እቶም ካብ ህግደፍ ዝቅበሉ መቕነን

ንድንቁርንኦም ዝሓስብዎ ሓበን

ከም ኣምላኾም ዘምልኽዎ ንወድ ወርቂ ማህጸን

ጸቅጢ ደሙ ሽኮሩ ሰማንያ ዝምዘን

ኣይውስኻ ኣይንክያ ክሊቲይኣተን

ሰነ ኣእምሮይ ውን ጥዑይ ህግደፍ ይመስገን

ሕማም የብለይን ብጀካ እቲ መርዘን

ክምኡ እንዳበለዩ ዝጃሃር ዝሕበን።

ኣለዋውን መላካዕቲ ክልተ መልሓሰን

ዘይወራዙት ከምተን ኣደታተን

ንስእሉ ሰቂለን ኣብ ልዕሊ ዓራተን

ለይቲ ምስ ማዓልቲ ዝጽልያ እንከይመተን

ዘይዓጅበን እንዳሞቱ ኣሕዋተን ኣሓተን

ኣብ ወጻኢ ዝነብራ ሓቑፈን ደቃተን

ሃገር ትባድም ህዝቢ ይጽነት ከምዘይናተን

ኣመርካ ወያነ መጽረይ ኣፈን

ዘይጽርያ ግዳቲ ጋዕጋዕ ምድሪ በተን

መንግስትና መንግስትና መግለጺ ዕሽነተን።

እቶም ብህዝቢ ዝሕጭጩ ዝቕልዱ

ብደም ኣሕዋትና ኣሓትና ዝደልዩ ክነግዱ

ንኢሰያስ ዘደንቑ ዝንእዱ

ወዲ ኣፎም እንተዘየለ ሃገር የለን እንዳበሉ ዝምዕዱ

እቶም ብሑቡእ ብቅሉዕ ምስኡ ዝዛመዱ

ዝበሎ ዝደግሙ ዝጎረዱ

እቶም ንህዝቦም ዝጠለሙ ዝኽሓዱ

ኣዕኑዱ ገመሉ ሰርዊኡ ኣብ ሓዊ ክነድዱ

ካብ ሱሩ ንምሓዎም  ክይጭብጭ ቲ ጉንዱ

እቶም ንህዝብቦም ዝጠለሙ ዝኻሓዱ

ኩሉ ክሕተትዩ ጓሉ ወዱ

ገባር ክፉእ ኣይስእናንዩ ኢዱ

ካብ ጌግኡ ዘይማሃር ኩሉ ግዝየ ዕንዱ።

ዝሞቱ ዘለዉ ኣብ ባሕሪ ልብያ ኣብ ሲና

ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ ውሽጢ ዓድና

ፍንጫሕ መሰንገለናዮም ኣሕዋትና ኣሓትና

ዝክርትቱ ዘለዉ ኣብ ስደት ዓዲ ጓና

በዓል ኣይግዶም ግን ንሕናን መንግስትና

ኣብ ማሕበረ ኮማት ኮንካ ግርም ውርዚይና

ኣታ ቁሩብ እባ ኣጥርዩ ሕልና

ነዚ ኣይኮነን ተበጅዩ እዚ ኩሉ ጅግና

ንኣደራዕ ኣይኮነን ተቃሊሱ ህዝብና

ሃገር ብዘይ ህዝቢ እንታይ ክትዓብሰልና።

ኤረትራዊ ተሻባሸብ ተበገስ ንለውጢ

ካብ ተባህለ ምዝራብ ዘረባ ቀንጠመንጢ

ህዝብኻ እንዳተሳቀየ ኣይተዕጠጢ

ነዚ ጠላም መብጽዕኡ ሓሳዊ ሸሓጢ

መታለሊ ግሩሃት ብልእላውነት ዝዋጢ

ብዘይ ውግእ ዘይነብር ትምክሕተኛ ጊንጢ

ኣብ ዘተ ዘይኣምን ተጓሳጢ

መን ከማይ በሃላይ ናይ ፈላጣት ፈላጢ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ክብርን ዝክርን ንጀጋኑ ስዉኣትና

ሞት ንስርዓት ህግደፍን ውሻላቱን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,917,278 وقت التحميل: 0.35 ثانية