ተጋድሎ
ሓርነት
ኤርትራ
جبهة
النحرير الارترية
Eritrean Liberation Front
ናይ ሓዘን መግለጺ
ካብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ዞባ ጀርመን
ብምኽንያት መስዋእቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዓብደላ ኢድሪስ ዝተሰማዓና ሓዘን መሪር ዩ ምኽንያቱ ከም ዓብደላ
ኢድሪስ ዛኣምሰሉ ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣብ ስደት ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ጻማ ቃልሶም ኣይኮነን እሞ ንስዉእ ተጋዳላይ
ዓብደላ እድሪስ ኣላህ ይርሓሞ ንሙሉኣት ስድራቤቱን ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ድማ ጽንዓት ያሃበና እንዳበልና ናይ
ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ከምዝኾና ንገልጽ ።
ከድካ ዶ ጅግና ከድካ
ዓለም ኣርኪባ ኮይኑ ግደኻ
ሓርበኛ ኣቡ ርጀላ ዶጸዊዑካ
ዶ ቶም ካሎኦት ብጾትካ
ውድቀት ኢሰያስ ከይረኤኻ
ዝጃጁ ዝነበረ ክላዓል ሽምካ
ቀሲኑ ቅድሚኡ ሓሊፍካ
ኣሰር ጀጋኑና ሲዒብካ
ንስኻ ከም ሓርበኛ ክትቅበር ኢኻ
ንሱ ግን ኣይረክብን ከምታ ናትካ
ቅሰን ክነተግብሮ ኢና ዕላማኻ
ኣብ ጉባኤ ዝማሓሉ ጀጋኑ ኣለዉኻ
ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ረቢ ይቀበልካ።
|