Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/07/1434 (21 مايو 2013)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· دراسات ووثائق
· فنون وآداب
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462

         ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 61 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

61 መስከረም ሽግ ሕርነት ዝወለዔት

ተዛረቢ መስከረም ኣድሕንና ካብ ብኽያት

ሓራ ክንከውን ካብ ናይ ህግደፍ ብርነት//

We Are All Awate.jpg

ሓርበኛ    ስዉእ ሓምድ ኢድሪ ዓዋተ

ንነጻነት ንሓርነት ጸረ መግዛእቲ ዝመከተ

ዝተኸልካዮ ቃልሲ እግሪ ተኺሉ ምስ በለ ታተ

እቲ ኣንጊሁ ኣብ ጎቦታት ዓላ ሳሕል ዝሸፈተ

ሕልምታትና ጭውይዎ ስርዓተ ገበተ

ኢሰያስ ዩ ዝበርሀ ጸሓይና  ዘጸልመተ//

ተዛረቢ ኣዳል ቃልስና ዘበሰረት

መቃልሕ ዝመለሰት ንነጻነት

ቀዳመይቲ ጥይት ስለ ዝነበረት

ሓባሪት ናይ ሓርነት ጸረ ባርነት

ድሕሪ ሰላሳዓመታት ምስ ተዓወተት

ድሕሪ ነጻነት ብጉጅለ ኢሰያስ ዝጸልመተት//

ተዛረቢ መስከረም እንታይ ተላቢዩ ዓዋተ

ኣስላም ክስታን ኢና ደቂ ክልተ ኣሕዋት

ደቂ ሸሞንተ ኣውራጃታት ኢና ደቀባት

ጭርሖ ዓዋተ ክነተግብሮ ንስመር ኣሕዋት

ያኣክል ምብትታን ምክልባት

ንጭፍራ ካብ ሱሮም ሚሒና ምስ ቶም ዑሱባት

ኣብ ኤረትራ  ክንተክል ደሞክራስያዊ ስርዓት//

መስከረም ታሪኽኪ ኣሕድስዮ

ንፍትሓዊ ቃልስና ፍናን ሃብዮ

ንኢሰያስ ከምቲ ዘብከየና ክነብክዮ

ምስ ጃንዱኡ ሓግሒግና ክንድርብዮ//

ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓንቲ ዋልታ

ኤረትራ ኣለሊያቶም ኣላ ንጽነታ

ሓደ መስከረም ክትግበር መብጻዓታታ

ትብል ኣላ ሸሞትተ ኣውራጃታታ ክተታ

ኣብ ኤረትራ ዳግማይ ከንጎድጉድ ዕልልታ//

ተዛረቢ እባ መስከረም

ደቂ ዓዋተ ፋሕ ፋሕ ኢሎም

መስከረም ደቅኺ ኣያ ሲኢኖም

ገለን ኣብ ሲናይ ተደፊኖም

ገለን ቀለብ ዓሳታት ኮይኖም

መስከረም ዳግማይ ኣሎኹ በልዮም//

ፈሺሎም እቶም

ዕምሪ መላኺ ከናውሑ ዘበሉና ተኸኽ

ትንፋሶም ክትሓልፍ ትብል ኣላ ትልኽ

ተሰጊሩ እዩ እቲ ጽንኩር መድረኽ//

ተዛረቢ እባ መስከረም

ብደምንና ኣራጊጽናዮ ነጻነትና

ካብ መግዛእቲ ሓራ ገርናያ ሃገርና

ደቀባት ክነስና

ኣብ ካላኣይ ደረጃ ተሰሪዕና

ሳሓቅን ጸወታን ሓርቢቱና

ባርነት መሪርዎም መንእሰያትና

ናይ ዉሑዳት ኮይና ዓድና

ብጭፍራ ህግደፍ ጸኒቱ ህዝብና//

እንተ ሕጂ ግን

ጾሎት ህግደፋዊያን

እዛ ዓመት ንሓልፋ ዶ ንኸውን

ኢሰያስ ከም ቀደምካ ፈትን

ንደንበ ተቃውሞ ክትበታትን

ሄሄ ደጊምስ የሎን ምብትታን

ቀሪብካ ኢኻ ምስ ጭፍራኻ ክትድፈን//

ተረፍ ደርጊ እኽብካብ ኣናጹ

ሕጂ ናይ ህግደፍ ጻሕሊ ዘልምጹ

ዘይተፈልጡ በየን ከም ዝመጹ

ህዝቢ ኤረትራ በኣኹም ተሃዊጹ

መምስዝመጹ ኣፎም ዝጉጽጉጹ

ሕጂስ ድሕነት የሎን ቅበጹ ቅበጹ//

ብመግዛእቲ ሃለስላስላስየ ግዝየ

ንህዝባ ኣጽኒቱ መሬታ ዝተመነየ

በሎው በሳንጃ ስጃው እስከ ይሰበር

እንዳበለ ንህዝብታት ኤረትራ ዘብከየ//

ብግዝየ ደርጊ ከ እንታይ ተባህለ

እንቢ ያለሰው ጥይት ኣጉሩሶው እንዳበለ

ብሜሬትን ብሰማትን ንህዝቢ ዘብረሰ

ብዝባዊ ቃልስና ተሳዒሩ ምስ ፈረሰ

ጉጅለ ኢሰያስ ቦቱኡ ምስ ወረሰ//

 ድሕሪ ነጻነት መንእሰይ ኤረትራ ብልእላውነቱ

ከምዘይንየት ገርካ ካብ ሃገሩ ምብራር

እዚ እዩ ታሪኽ ጭፍራ ብተግባር///

ስለዚ

ሕድሪ ዓወተ ንምትግባር

ደቂ ኤረይ ንበገስ ብሓባር

 ኢደይ ኢድካ ንበል ብተግባር

ንጭፍራ ህግደፍ ንምብራር

ሕድሪ ሰማእታትና ንምትግባር//

እወ ኣስላም ክስታን ኢና ኣሕዋት

መስከረም ትዕድም ኣላ ክሕበስ ንብዓት ኣደታት

ሓቢርና ንቃለስ ክንማሓዳደር ብሕጊ ብስርዓት//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· أستاذ توكل : / نحن أ...
· رحلة إلى القائد الرم...
· رحلة إلى القائد الرم...
· إرتريا : ـ كيف يستق...
· جلادون وسجانون لا يع...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 2,229,296 وقت التحميل: 0.03 ثانية